PDF – calais booklet tigrigna

ትሕዝቶ

  • ዶብ ኣልባ: ንሕና መን ኢና
  • ናብ ካልያ እንኩዋዕ ብደሓን መፃእኹም: ሌላ ምስ ከተማ ካልያ
  • ማሕበራት ከተማ ካልያን ምናቅሳቓሳትንን
  • መስልካ ምፍላጥ: ምእሳር ኣብ ፈረንሳ
  • ጥንሲ ኣብ ካልያ
  • ናይ ዑቕባ ሕቶ ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ
  • ናይ ዑቕባ ሕቶ ኣብ ዓባይ ብሪጣንይንያ
  • ዱብሊን III
  • ፍሉያት ሕቶታት: ናይ ዖታዊ ጥቕዓት ግዳያትን መሰላት ግብረሰዶማውያንን
  • ምክሪ/ሓበሬታ ናብ ናይ ኣውሮፓ ጉዕዞ
  • ፈረንሳ
  • ኔዘርላንድ
  • ጀርመን
  • ዴንማርክ
  • ቤልጄም
  • ሽወደን
  • ኣወስትራልያ

ዶብ ኣልባ: ንሕና መን ኢና?

ንሕና (ዶብ ኣልባ) ካብ 2009 ጀሚርና ኣብ ካልያ ንሰርሕ ዝፅናሕና ዉሑዳት ሰባት ኢና።ገሌና ኣብ ካልያ ገሌና ኣብ ወፃኢ ንነብር እንትንከዉን ንሓፂር ግዜ ኣብ ካልያ ንቕመጥ። ከም ተገደስቲ መጠን ግን ንስደተኛታት ንድግፍ። ምኽንያቱ ዝኾነ ሰብ ኣብ ዝጥዕሞ ናይ ምንባርን ምንቅስቓስን መሰል ክህልዎ ኣለዎ ኢልና ስለ ንኣምን። ናይ ምንቅስቓስ ነፃነት ንኹሉ ሰብ ዝግቦኦ መሰል ምዃኑ ናትና እምነት እዩ።

ንዓኩም ንምሕጋዝ ዝኣክል ብዛዕባ ካልያን ኣውሮፓን ዝተዘሰነ ጠቐምቲ ሓበሬታታት ክንህበኩም። ነናብ ትከድዎ ድማ ፅቡቕ ጉዕዞ ክኾነልኩም ንምነ!

ዶብ ኣልባ ኣብ ካልያ እንታይ ይገብር?

ሓገዝ ብምቕራብን ምስ ዝተጎድኡ ማለት መሰረታዊ ነገራት (ከም ምግቢ፥ ክዳንን መፅለሊ፥ ናይ ምንቅስቓስ መሰል) ንዝሰኣኑ ስባት መሰረታዊ ነገራት ነቕርብ። ንእንሰርሖ ስራሕ ገንዘብ ገንዘብ የብልናን። ምስ ዝኮነ ይኹን መንግስቲ ወይ ቤተ ክርስትያን ርክብ የብልናን።

ዝኮነ ይኹን ህሓበሬታ ምስ እትደልዩ ወይ ፍሉይ ሕቶ ምስዝህልዘኩም በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ክትረኽቡና ትኽቡና ትክእሉ ኢኹም

ቴሌ: 07 53 47 51 59 (from inside France)

00 33 75 34 75 159 (from outside France)

ኢሜይል: calais_solidarity@riseup.net // calaisolidarity@gmail.com

ድህረ ገፅ: https://calaismigrantsolidarity.wordpress.

ሌላ ምስ ካልያ

ናብ ከተማ ካልያ ብደሓን እንካዋዖስድ ብደሓን መፃእኩም። ከተማ ካልያ ማአከላይ ስፍሓት ዘለዋ፤ 73000 ነበርቲ ዝሓዘት እንትትከዉን105000 ነበርቲ ዝሓዛ ከም በዓል ኮሳንጋተ ፤ ማርክ ን ኮቅይዊለ ዝበሃላ ኣዳወብቲ ምምሕዳራት ከተማ ኣለዋኣ። ኣብ ሸነኽ ፈረንስሳ ኣብ ጥቓ በልጄም ኣብ ማዕዶ ዓባይ ብሪጣንያ ትርክብን ከተምቅ እያ።

ንንውሕ ዝበለ ግዜ ናይ እንግሊዝ ከተማ ኮይና ፀኒሓ እያ። ክሳብ 1994 ናይ እንግሊዝን ካልኦት ኣህጉራትን ዋና መተሓላላለፊት ታንዃን ታነል ኮይና ኸኣ ፀነሐት። ዝበሕ ክፋል ናይታ ከተማ ኣብ 2ይ ዅናት ዓለም ተጎዲአ ስለ ዝነበረት መብዛሕትኦም ነበርታ ተሰዲዶም ኔሮም። ካልያ ናይ ኢንዱስትሪ ከተማ ኮይና ዋላ እንተፀንሕት ብዝበፅሓ ተኸታታሊ ቕልውላው ምኽንያት 20% ናይታ ከተማ ህዝቢ ስራሕ ዘይብሉ እዩ። ናይታ ከተማ ህዝቢ ብዕድመ ካብቲ ዝተረፈ ናይ ፈረንሳ ህዝቢ ዝነአሰ እዩ።

ስደተኛታት ኣብ ካልያ

ስደተኛታት ኣብ ካልያ ንብርክት ዝበሉ ዓመታትዓስኪሮም እዮም

ኣብ 1990ታት, ማለት ድሕሪ ውድቀት ዘበነ ኮሚኒስት ኣብ ምብራቕ ኣውሮፓ, ካብ ዝተፈላልያ ሃገራት ምብራቕ ኣውሮፓ ስደተኛትታ እናወሓዙ ኣብ ካልያ ይዕገቱ ኔሮም። ካብ 1990ታት ንድሓር ብምኽንያት ዂናት ካብ ዮጎዝላቪያ ስደተኛታት (ስድራቤት ምስ ቆልዖዑት ሓዊሱ) ይመፁ ኔሮም

ህዝቢ ተላዓዒሉ፥ማሕበራት እዉን ተጣይሸን። ማሕበራትን መንግስትን ብምትሕብባር ከዓ ናይ ስደተኛታት መዓስከር ትጣይሹ።

ብ 1999, ዓብዪ መልፅሊ ኣብ ሳንጋተ (ካብ ካልያ ወፃኢ) ተሰሪሑ። ብ ቐይሕ መስቀል ድማ ይመሓደር ነበረ። ብቡዝሓት ኣሽሓት ስደተኛታት ከዐስክር ዝኽእል ማዓስከር ኾነ ።

ኣብ 2002, ምንግስቲ ምስተቐየረ ኣብ ሳንጋተ ዝነበረ ማዓስከር ተዓፅዩ።ካብኡ ንነዘ, ምንግስቲ ን መሰረታዊ ነገራት ዘይብሎም ስደትኛት ምቕባልን ቀዋሚ መነባብሮ ምፍቓድን ኣቛፁ። መፅለልታት ፈሪሶም፥ ማዓስከራት ዓንዪን።

ስደትኛታ ዝመፁለን ሃገራት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳ ትቐያየረ መፂኡ እዩ፥ቑርዱሳውያን፥ኣፍጋኒስታውያን፥ ኢራቓውያን,፥ቬትናማውያን፥ ኣልባናውያን ሲራውያንም ኤርትራውያን፥ሱዳናውያን(…).

ኣብ 2009, ኣብ ካልያ ናይ ዓበይቲ ፤ሚድያታት ኣድህቦ ዝሰሓበ ቑፅሪ ስደተኛታት ብዓብዪ መጠን ወሰኽ ኣርእዪ። መንግስቲ እትን ዝነበራ ማዓስከራት ዋላ እንተ ደምሰሰ ምንም ኣይቀነሰን። ስደተኛታት ግን  ምምፅኦም ቐፅሉ። ን ኣፍጋኒስታዝውያን ዘካተተ ናይ ጅምላ ናይ ምጥራዝ ሙከራ ትኻይዱ ኔሩ። እንተኾንነ ግን ብ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ጥረዛ ተሰሪዙሎም።

ድሕሪ 2009 ቡዙሓት ሰባት ኣብ ካልያ ዑቑባ ሓቲቶም ። እንተኾነ ግን ኣብ ፈረንሳ ናይ ዑቑባ ሓተትቲ ሕቶ ናይ ምምላስ ዕድሉ ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናነአሰ እዩ። ን ናይ መሰረታዊ መሰላት እኳ ናብ ቤት ፍርዲ ከመልክቱ ኣለዎም።

ኣብ 2014 ቑፅሪ ዑቑባ ሓተቲ ኣብ ካልያናይ ሚድያታት ቐልቢ ደጊሙ ዝሰሓበ ብዘገርም ቁጥሪ ወሲኹ። ገለገለ ሰባት ናይ ከተማ ካልያ ንስደተኛታት ተጓዳእቲ ክኾኑን ፀቢብ ኣታሓሳስባን ክህልዎም ጀሚሩ። ብተወሳኺ፥ ካብ ቐረባ ግዜ ጀሚሩ ፥ከም ሷቪዪ ካልያ ዝበሃሉ ትምክሕተኛ ጉጅለታት ደገፍቲ ዝረኽቡ ይምስል። ሓደሽቲ ኣተውቲ ስደተኛታት ምኽንያት ብምግባር መንግስቲ በዓል መማእኸሊ (day centre’ called ‘Jules Ferry,’) መዓልቲ ኣዉጁ። ይኹን እምበር፥ ካብ ማዓስከር ርሕቕ ኣብ ዝበለ ቦታ ስለዝኽበር ኣብ ካልያ ንዝዓስከሩ ስባት ንምስታፍ ኣሸጋሪ እዩ።

ማሕበራት ኣብ ካልያ

ምግቢ ኣብይ ክረክብ ይኽእል?

ኩሉ ምዓልቲ ካብ ሰዓት 5 ክሳብ ሰዓት 8 ድሕሪ ቐትሪ ትኩስ ሃላል ዝብሃል ምግቢ ኣሎ። ሽግሩ ግን ንምርካቡ ኣሸጋርን ኣብ ሩሑቕ ቦታን እዩ። ሓደሓደ ግዘ ፖሊስ ወይ ዓመፅቲ ኣብ መንገዲ ክትፀንሑ ይክእሉ እዮም። ሕማቕ ኣሎ ፅቡቕ ግን ብዙሓት ኮይንካ ምኻድ ተመራፂ ይኽውን። ዝትፈላለያ ማሕበራት ኣብ ሰሙን  ሓደ ወይ ክልተ ግዘ የቕርባ እየን።  እቲ ዝቐርብ ምግቢ ዝተሰርሐ ስለ ዘይኮነ ግን ባዕልኹም ምግብኹም ምስራሕ ክትክእሉ ኣለኩም። ብተወሳኺ ብዙሓት ሱፐር ማርኬታት ዘይተበላሸወ ምግቢ  ይድርብዩ እዮም። ኣብቲ ሱፐር ማርኬታት ጥቓ  ዝርከብ  ናይ ጉሓፍ መጠራቐሚ ሃሰስ ምባል ይካኣል እዩ።

እንተ ሓሚመ ኣበይ ክሕከም ይኽእል?

ድንገተኛ ክፍሊ ናይቲ ሆስፒታል ዝኾነ ቕልጡፍ ሕክና ዘድልዮ ሰብ የገልግል። ፓስ (PASS) ዝበሃል ኣብ ጥቓ ናይቲ ሆስፒታል መኪና ጠጠው መበሊ ንእሽቶ ኮንተይነር ገዛ ክሊኒክ ኣሎ። እዚ ክሊኒክ እዚ ን ናይ ጥዕና ውሕስና ዘይብሎም ሰባት ኣገልግሎት ይህብ።  ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ 1:30 :30 ድሕሪ ቐትሪ።  ዕቑባ ሓተቲ እዉን ወድዓዊ ናይ ጥዕና ሽፋን ኣለዎም። ንቲ ጉዳዮም ዝሓዞ ማሕበር ክጥይቑ ይኽእሉ እዮም።

ነብሰይ ኣበይ ክሕፀብ ይኽእል?

ኣብቲ ፓስ (PASS) ዝበሃል ክሊኒክ(13.30) ቐዲሞም ዝመፁ 20 ኣወዳት ሻወር ክወስዱ ይኽእሉ። ኣብቲ  ጄሉ ፌሪ ዴይ ሰንተር/ማእክል እዉን ነብስኻ ምሕፃብ ይካኣል እዩ። ግን ን ሕደ ሰብ ንኣርባዕተ ደቓይቕ ጥራሕ እዩ ዝፍቀድ።

አብቲ ናይ አንስቲ (ደቂ ኣንስትዮ) ኣብቲ ጄሉ ፌሪ ዴይ ሰንተር/ማእክል ዝርክብ ገዛ ደቂ ኣንስትዮን ቖልዑትን ጥራይ እዮም ክድቅሱም፥ኽሕፀቡ ወይ ምግቢ ከብስሉ ዝኽእሉ። ላቬ አክቲቭ ዝበሃል ማሕበር ድማ ይማሓድሮ። እንትኮነ እተን ደቂ ኣንስትዮ እየን መዓልታው ምንቅስቓሰን ዝምርሓ። ንደቂ ኣንስትዮ ኩሉ ግዜ ፉቑድ እዩ። ግን ናብቲ ቦታ ንምኻድ ናይ ሓልዋ ኬላ ምሕላፍ ግድን እዩ። ኣብ ደስ   ዝበለን ግዜ ክወፃን ክአትዋን ይኽእላ እየን።

ኮቦርታ/ድንዃን/ ክዳን ኣብይ ክርክብ ይኽእል?

ኮቦርታ/ድንዃን/ ክዳን እንትዳ ደሊኹም፥ ዶብ ኣልባ ንዝበሃል ማሕበር ጠይቑ። እዞም ማሕበር ዘይተፈቐደሎም ግበርቲ ሰናይ ኮይኖም ግን ኩሉ ግዜ ክዳን ኣይህልዎምን።ሓደ ሓደ ግዜ ስባት ስሊፒንግ ባግ ድንዃንን ኾቦርታ ኣብ በረኻ ኣቐሚጦ ይኸዱ እዮም። መዲሲነ (Médecins du Monde) ዝበሃል ጉጅለ ገዚኡ የምኦም እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ብፍላይ ፖሊስ ማዓስከራት ክድምስስ እንከሎ ክዳን ዝግዛአሉ ቦታ የለን።ኣብ ናብ ካልያ ዝመፁ ዉህብቶታት መሰረት ምግባር እዩ። ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ናይ ክዳዉንቲ ዕደላ ኣብ ቭስታኼ ኹዌ ዲ ክኾክስ ዝበሃል ኣብ ጥቓ ናትኼ ዳሜ ዝርከብ ቤተክርስትያን ይካየድ። ኣብ ዘይመልኣ ዶብ ኣልባ እውን ድሕሪ ምግቢ ይዕድል እዩ።

ንናይ ዑቑባ መን ክሕግዘኒ ይኽእል ፤ምሕደራዊ አገባብ/ ኣካይዳ?

ብዛዕባ ናይ ዑቕባ ምሕታት ሕጋዊ ውክሳ ምስ ዘድልየኩም ሰክኽ ካቶሊክ /Secours Catholique/ ክትሓቱ ትኽእሉ። ንሶም ዝመፃእኩምሉ ቦታ ብዘየገድስ ክህግዙኩምን ከማኣኹሩኹምን ይኽእሉ

ቴሌፎን ወይ እንተርኔት ኣበይ ክጥቀም ይክእል?

ቅብ ጥቓ ዓብዪ ዕዳጋ ማእከልን ትያትርን ዝርከብ ሜዲያትኳ ኦፍ ካልያ ሮይ ዲ ፖንት ላልቲን 16 ዝብሃል ኣብ 10 ሰዓት ቕድሚ ቐትሪ ይኽፈት አብ   ቐዳምን ሰንበትን ከኣ ይኽፈት።   ግን ኣግልግሎት ንምርካብ ምታወቂያ/ ታሴራ/ ወይ ዑቕባ ዝሓተትኩምሉ ወረቐት ምርኣይ ኣግባብ እዩ።

ሞባይለይ ኣበይ ቻርጅ ክምልኣ ይክእል?

ሰክኽ ካቶሊክ /Secours Catholique/ ካብ 9 ንጉሆ tክስቅብ 5 ድሕሪ ቐትሪ ካብ  ሶኒ ክሳብ ዓርቢ  ዴይ ሰንተር ጁሉ ፌሪ ኩሉ ግዜ ካብ 2 ድሕሪ ቐትሪ  ክሳብ 5 ድሕሪ ቐትሪ  ክፍቲ እዮም። ውልቀ ስባት እውን ሓደ ሓደ ግዜ ቻርጅ ይግብሩ እዮም። ኣድራሻ ናይቶም ውልቀሰባት ንምርካብ ኣብቲ ብርኻ ክይድኩምክትሓቱ ትኽእሉ።

ኩዕሶ እግሪ ኣብይ ክፃኤአት ይኽእል?

ኩሉ ግዜ ሰንበት ከባቢ 3 ስዓት ስባት ታአኪቦም ኩዕሶ ክፃወቱ ይመፁ እዮም። ስደተኛታትን ፈርንሳውያንን ንበርቲ ከተማ ካልያን ኣብ ሲታደለ /CITADELLE/. ኩሉ ግዜ ናብቲ ቦታ ብምምፃእ ምክትታልን ምፅዋትን ይካኣል። ሳሕቲ ስባት ናይ ስፖርት ዕጥቅን ክዳንን የምፅኡ እዮም።

ናይ ቛንቛ ትምህርቲ ኣብይ ክወስድ ይኽእል?

ኣብ ዝተፈላልዩ ቦታታት ዝውሰዱ ናይ ቛንቛታት ፈረንሳን ኤንግሊዝን ኣለው። ቡዙሓት መዓልትታት ናይ ሰሙን ኣብ ሰኬኾ ካቶሊክ ዘኳት ጋሎ / Secours Catholique, the squat Galloo/።

ነፃ ናይ መክላኸሊጥንስን ፆታዊ ጥዕናን ምኽሪ ኣገልግሎት ኣብይ ክረክብ ይኽእል?

ምክልኻል ጥንሲ ኣብ ፈረንሳ ሕጋውን ናፃን እዩ። ኣብቲ ፓስ ዝትባህለ ክሊኒክ ብምኻድ ናይ ኣወዳት ኮንዶም፥ ብትወሳኺ ናይ ቤተሰብ ምጣነ ማእክል ዝተፈላለዩ ዓይንታት ኮንዶምን ናይ ደቂ ቅንስትዮ ፤ኬላኽሊ ጥንሲ ክኒን፥ ሉፕ፥ መርፍእን  ኮንዶማትን ወዘተ   ምርካብ ይካአል እዩ።

ናይ ቤተሰብ ምጣነ ማእክል ኣድራሻ:

Centre de Planification ou d’education

familiale, rue Mollien 70, 1er étage (1st floor), 62100 CALAIS,

ቴሌፎን 03 21 21 62 33

ከም ኤች አይ ቪ ፥ ሂፓቲትስ ዝብሉ ብፆታዊ ርክብ ዝመፁ ሕማማት ንፃ ናይ ደም መርመራ ንምግባር ናብ ሰንተር ዲ ዲፒድታጅ /centre de dépistage/ ምካድ ይካኣል።

ኣድራሻ፥

(ሰንተር ዲ ዲፒድታጅ ኣናኖሜ ኢት ግኻቱይት161 ቦሌቫኻድ ደስ ጁስተ-62100 ክቅልያ ቡስ 3፥7፥8 ላ ሮሴሌኸ/Centre de Dépistage Anonyme et Gratuit. 1601 Boulevard des Justes – 62100 Calais. Bus 3, 7, 8 La Roselière)

ንሞባይል ሲም ካርድ ከመይ ክረክብ ይኽእል?

ሲም ካርድ እንተድአ ደሊኻ/ኺ, ሊይካ ናይ ዝበሃል ምጥቃም ይምረፅ፥ ምኽንያቱ ምስ ትመሳሳሊ /ሊይድካ/ ሲም ዘለዎም ስባት ብነፃ ስለ ዘራኽብ። ብትውሳኺ፥ ሕጋዊ ስምካ ክትምዝግበሉ ትኽእል ግዷታ ስለዘይብሎም ።

ሲም ካርድ ብከመይ ከመዝግብ ይኸእል:

ብ 323 ደውል/ሊ ቋንቋ እንግሊዘኛ፥ ፈረንሳን ዓረብኛን ይዛርቡ እዮም። ስም ኣድራሻን ንግሮም (ትንብርሉ ጎደና፥ ቑፅሩ፥ ፖስታ ቑፅሪ ናይ ካልያ ንበርቲ ፖስታ ቑፅሪ 62100 እዩ)፥ቑፅሪ ፓስፖርት (ቼክኣይግበርን) ክምኡ ዓይነት ኣድራሻ ምህላዉ ጥራይ እዮም ቼክ ዝግብሩ። ምሶኦም ምስ ቅድእካ ሞባይልካ ዓፂካ ክፈቶ፥ ሽዑ ክሰርሕ እዩ።

ፖሊስ ምእሳርን

ብፖሊስ እንተታሒዘ ወይ እንተታኣሲረ እንታይ ክግብር ኣለኒ?

ብፖሊስ እንተታሒዝኩም በይንኹም ኣይኮንኩምን። ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣብ ልዕሊ ሓላፍንቶምን ስልጣኖምን ብግቡእ ዘይትግብሩ ስባት ቅሬታ/ጥርዓን ክቕርብ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ናይ ፖሊስ ጥርዓ ምስ ዝህልወኩም በዚ ስልኪ ቑፅሪ ምድዋል ይከኣል እዩ።፥ 0605862150 ( ልይካ፥Lyca). እቲ ቑፅሪ ስልኪ ናይ ቢሮ ስልኪ ኣይኮነን፥ ናይ ጉጅለ ተሓጋገዝቲ ስደትኛታት እዩ። እዞም ጉጅለ ሰባት መርትዖታት ካብ ሕክምናን ካልኦትን ብምእካብን ብምፅራይን ንዝበደሉ ፖላዊስ ናብ ሕጊ የቕርቡ። ኣብ ካልያ ናይ ፖሊስ መጥቓዕቲ ኣን ልዕሊ ስደተኛታት ብትደጋጋሚ ይረኣ እዩ። ስደተኛታት መሰረታዊ ኣግልግሎቶም ንምርካብ ካብ ዝኽዱሉ ይእስሩ ፀኒሖም እዩም። ንኣብነት ናብ ማይ ክኸዱ እንከለው፥ናብ ሆስፒታል ንምኻድ ባስ ክጥቀሙ እንክለው፥ ሱፔር ማርኬት ኣቑሑት ክግዝኡ ኢንከልው፥ ወይ ካብ ምግቢ ዕድላ ክምለሱ እንክለው። ቡዙሓት ስደተኛታት ብ ፖሊስ መንብዒ ጋዝ ተገይሩሎም ኣእጋሮም ትስይሮም ኣእዳዎምን ገፆምን ቖሲሎም እዮም። ሓደ ሓደ ሪፖርትታት ከም ዝሕብርዎ ፖላዊስ ንስደተኛታት ናብ ዝተጨናንቐ መንግዲ ይድርብዩዎም ብቡዙሕ ዝቑፀሩ ድማ ንሞት ተቓሊዖም እዮም።

መሰላትን ሕግታትን ናይ ዝተኣሰረ ስብ

ናይ ማንንት ምፅራይ ን 16 ሳዓታት ክዝስድ ይኽእል እዩ።።ምንም ንዘይ ዋዓልኩሞ ምረዳእታ ዘይብሉ ስሕተትን ንቡዙሓት ሰዓታት ኣሲሮም ክፈትሑኹም ይኽእሉ እዮም። ንቅይ ፖሊስ ምፅራይ ካብታ ናይ ማእሰርቲ ግዜ ጀሚራ ትካይድ። ፖሊስቼ ብዛዕባ መስልን ግቡእን ኤሱር ወይ ትጠርጣሪ እቲ ኤሱር ወይ ትጠርጣሪ ብዝርድኦ ቛንቋ ክግልፅ ግዴታ

ኣብ ወኽኒ ቤት ውሽጢ ዘለዉኻ መሰላት:

ንኣዕርኽትኻ፥ ቤትሰብካ ወይ ናይ ቐረባ ማሕበርካ ክም ምእሳርካ ምፍላጥ/ ምንጋር፥

ምድዋል፥ ምስ ናይቲ ውኽኒ ጉጅለ/ ማሕበርምርኻብ፥ ተርጓሚ ናይ ምርካብ ፥ጠብቓን ሓኪምን ናይ ምርካብ ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንዝቐርበልኩም ናይ “ግበሩ’’ ትእዛዝ ኣይትግብሩ። ንክትፍርሙሉ ንዝቐርበልኩም ውረቐት ኣይትፍርሙ። እንትኾነ ግን እንታይ ከም ዝብል ኣፃሪኻ ምፍላጥ ፅቡቕ እዩ። ተርጓሚ ኩሉ ዝትፃሕፈ እንታይ ክም ዝብል ክነግርኩም እዩ። እትስርሑዎ ስሕትት ምኽንያት ንዓኹም ካብ እሱር ንምውፃእ ንጠበቓ ከሸግሮ ይኽእል እዩ። ስለዚ ጥንቃቐ!   ፖሊስ ንዓኹም ካብ እሱር ንምውፃእ ዝሕግዝ ስሕተት እንተስሪሑ እቲ ፖሊስ ንክስተኣኻኽሎ ኣይትንግሩዎ። ሓጋዚ እዩ። ማንነት ንምፅራይ ካብ ዝውስዶ ግዜ ንላዕሊ ኣብ እሱር ቤት ክትፀንሕ/ሒብ ሕጊ ክልክል እዩ።

ናይ ፈረንሳ ቪዛ እንድሕር ዘይብልኩም፥ ፕኽፌት/ናይ ፖሊስ ሃላፊ/ ካብ ንቅይብ ፈረንሳይ መሬት ብቑልጡፍ ክትውፅ ከም ዝሕብር ትእዛዝ ዝሕዘ ወረቐት ክሰደልኩም ይኽእል እዩ። እዚ ማለት እንትድአ ተታሒዝኩም/ተኣሲርኩም ኣብ ግዚያዚው ናይ እሱራት መፅንሒ ኢኹም ትውሰዱ። ኣብዚ ሕግታት ብንእሽቶ መልክዑ ካብ ወኽኒ ቤት ፍልይ ዝብሉ እዩም። ኣቑሑትካ ኸም ሞባይል/ ካሜራ ዘይብላ/ ክዳን፥ ቦርሳ ዑሹግ ቶባኮን ምግቢን፥ ምሓዝ፥ ምጥቃም ይካኣል እዩ። ገንዘብኩም ምስ ዋርድያ የጠንሐልኩም። ናይ ጥረዛ ትእዛዝ (OQTF*, APRF*, ወዘተ) እንተተቐቢልኩም ይግባይ ንምባል 48 ስዓታት ኣልውኹም። ብዛዕባ እዚ ኣብቲ ግዚያዊ እሱር ቤት ዘሎ ማሕበር ተወከሱ። ክሕግዙኹም እዮም። ግዚያዊ ምእሳር ኣብ ፈርንሳ እቲ ዝለዓለ 45 መዓልትታት እንኽውን ንኩሉ እቲ ኣግባብ ክሳብ ዝውዳእ ኣስትርጓሚ ናይ ምርካብ መሰልኩምብሕጊ ዝትሓልወ እዩ። ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ናብ ጁጅ ደስ ሊበሪተስ ኢት ዲትንሽን (Juge des Libertés et de la Détention JLD) ዝበሃል ናትኩም ሕጋውነትን ኤአይ ናይ ፖሊስ ስሕትት ኣፃርዩ ክፍርድ ዝኽእል ፍሉይ ቤት ፍርዲ ትቐርቡ። ናይ ፖሊስ   ስሕተት ኣፃርዮም እንትረኺቦም ካብ እሱር ነፃ ትልቀቑ። ን ጠብእቓኹም ኣቐዲምፍኩም ብዛዕባ እቶም ፖሊስ ዝፈፀሞም ስሕተታት   ብዝርዝር ኣረድኡ። ድሕሪ 2 ማዓልትታት ናብቲ ቤት ፍርዲ ትምለሱ ኢኹም። ኩሎም ክትፈኽቡዎም እትኽእሉ መርትዖታት ቅብ ኣብ ውሽጢ እተን 20 መዓልትታት ክተቕርቡ ኣልኩም።

ፈረንሳ ክትጥርዘኩም እንትኣ ኮይና   ካብ ናይ ትውልዲ ሃግርኩም ኢምባሲ ፍቓድ ክትሓትት ኣለዋ። ምስ ናይ ማሕበራዊ ጉዳይ በዓል ሞያ ቓለ መሕትት ትግብር። ነቲ በዓል ሞያ ብይኻ ምስኡ ንምፅናሕ ናይ ምሕታት መስል ኣለኩም። እቲ ቓለመሕትት ናይ ምግባር ግዴታ ኣሎኩም፥ ግን ናይ ሕማም ስሚዒት እንተተስሚዑኩም መዓልቲ ምቕያር ይክቅል እዩ።

ኣብ ናይ ጥርዛ ማእኸል ምስ ኣትኹም ዑቑባ መሕተቲ 5 ቕልጡፋት መዓልታት ኣለዋኹም።

ሓበሬታ ንጥንሷት

ን ናይ ጥንሲ መርመራ ንምግባር ናብ ምጣነ ስድራ ቤት ማእኽል (CENTRE DE

PLANIFICATION ou D’EDUCATION FAMILIALE rue Mollien 70, 1er étage    62100 CALAIS, Phone 03 21 21 62 33) 1ይ ፎቕ ወይ ናብ ፓስ /PASS ጥዕና ጣብያ ምኻድይካኣል። ብድሕሪ እዚ ኣብ ዓብዪ ሆስፒታል ክትትል ንምግባር ብቖፀሮ ክስድኩን እዮም።

ጥኑሳት ኮንክን እንድሕር ንጥንሲ ኣመልኪትክን ናይ ፈርረንሳ ምንግስቲ ንሃድጋ ተቓላዕቲ ምዃንክን ኣብ ግምት ኣእትዩ ንሕቶኽን ቕድሚያ ይወሃቦ። እዚ ማለት ግን ንናይ ስደተኛ ፅግዕትኛነት ሕቶ ተቐባልነተን ዝለዓለ ዕድል ኣለወን ማለት ኣይኮነን።  እንትኾነ   ከም ገዛ ፥ ጥዕናዊ ውሕስና ን ግንዘብ ን ዝበሉ ማሕበራዊ ኣግልግሎት ክትረክብ ትኽእል እያ።

ጥንስቲ ኮይነ እቲ ጥንሲ ንክቕፅል ድሌት ወይ ተኽእሎ እንተዘብለይ ከ?

ጥንሷት ኣብ ኣብ ከብደን ዘሎ ዕሸል ክሳብ ዝዉለድ ምፅባይ ወይ ብጋንኡ ንቲ ጥንሲ ምስዳድ ናትን ውሳነ ይኸውን። ኣብ ፈረንሳ ክሳብ 12 ስሙን ዕድመ ዘለዎ ጥንሲ ምስዳድ ህጋዊ እዩ። ምስ ፍሉያት ጥዕናዊ ክነታት እንድሕር ዝተሓሓዝ ድሓሪ 12 ሰሙን እውን ክስደድ ይኽእል እዩ። ምስዳድ ጥንሲ ኣብ ዓበይቲ ሆስፒታላት ብዝትሓት ጥዕናዊ ሳዕቤን ፥ ብዘተኣማምን ጥዕናዊ ድሕንነት ፥ ብዘይ ምንም ክፍሊት ይካይድ። እታ ኣዶ ቐፃሊ ትኽእል እያ።

እንታይ ክግብር?

  1. ትንስቲ ምዃንኪ ኣርጋግፂ። ጥንሲ መርማሪ መሳርሒ ኣብ ሱፐር ማርኬት ወይ ፋርማሲ ክግዛእ ይግክእል እዩ። ብ ቛንቋ ፈረንሳይኛ ቴስት ዲ ግኾሴ ይበሃል።
  2. እቲ ምርመራ ጥንሲ ከምዘሎ እንትድኣ ኣረጋጊፁ ብቕልጡፍ ናብ ምጣነ ስድራ ቤት ማእኽል (ሰንተር ዲ ፕላንቲፍኬሽን ኦው ዲ ኢዱኬሽን) CENTRE DE PLANIFICATION ou D’EDUCATION FAMILIALE ምኻድ ይምረፅ።

ኣድራሻ

70, rue Mollien

1er étage (1ይ ፎቕ) 62100 CALAIS

ስልኪ ቑፅሪ 03 21 21 62 33 (ፍረሳይኛ ጥራይ ክዛረቡ ዝኽእሉ እዩም)። ናይ መውዳእታ ወርሓዊ ፅግያት፥ ናይ ትዝልዲ ግዜን ስምን ክጥይቑ ይኽእሉ።

ናብ ፓስ ብምኻድ ኩነታትክን ምዝራብ ይካኣል። ምስ መሓዛ ምኻድ ይካኣል እዩ።

  1. ኣብቲ ‘ምጣነ ስድራ ቤት ማእኽል (ሰንተር ዲ ፕላንቲፍኬሽን ሓፂር ምርመራ ድሕሪ ምግባር ኣብ ዓቢይ ሆስፒታልንጥዕናዊ ውከሳ ብቖፀራ ክስንዪኹም እዮም።

4.ኣብ ካልያ ናይ መጀመርያ ጥዕናዊ ውከሳ ትገብሪ። .ሓደ ሓደ ግዜ ን ስድተኛታት ጥንሲ ኣይንሰድድን ይብሉ እዩም። ስሕተትእዩ ። ከምዚክብሉ መሰል የብሎምን። እዚ ዝሰዕብ ሕጋዊ ፅሑፍ ኣርእዩዎም:

“la loi fait obligation aux structures hospitalières de prendre en charge les IVG de femmes La loi DHOS /DSS/DGAS N°141 du 16 Mars 2005 demande

– la prise en charge des soins urgents des étrangers-res RÉSIDANT en France de manière irrégulière et non-bénéficiaires de l’Aide Médicale d’Etat

-et donne ainsi accés à l’IVG à toute femme étrangère séjournant en France”

ንቅይ ደም መርምራን ናይ ክብድኹም ራጂ የልዕሉ። እቲ ዶክተ ናይ መርመራኺ ሓፂር መዘክር ድሕሪ ምውሳድ ን ንፀላ እቲ ጥንሲ ካልእ መዓልቲ ይቖፅር። ምስዳድ ጥንሲ ድንገተኛእንተዘይ ኮይኑ ሸውዓተ ማዓልቲ ጥራይ እዩ። ናይ መሕስቢ ግዜ ድማ ይብሃል። እታ ጥንሲስቲ ሓሳባ ድንገት እንትቐይራ ተባሂሉ ኣብ ግምት ዝኣተወ ግዜ እዩ።

  1. ትሕቲ ዕድመ ኢንትኾይና: ኣድሚ ምስዳድ ጥንሲ ምስ ማሕበራዊ ስራሕተኛ ምዝርራብ ክትገብር ኣለዋ። ኣብቲ ናይ ምጣነ ቤተሰብ ማእክል ‘Centre de Planification’ ናይቲ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ኣድራሻ ምርካብ ይካኣል እዩ።

5.ኣብ ግዜ ምስዳድ ጥንሲ.ክልተዓይነት ሜላታት ኣልው:

– ሕክምናዊ (ብመድሓኒት) ሜላ (ብ ክኒና): እዚ ሜላ እዚ ን ካብ ሓሙሽተ ስሙናት ዕድመ ዘለዎ ጥንሲ ናብ ሆስፒታል ብዘይ ምኻድ ስወሰድ እዩ። ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ሸውዓተ ስሙናትዕድመ ዘለዎ ጥንሲ ናብ ሆስፒታል ብ ምኻድ ዝውሰድ እዩ።

– ብመጥባሕታዊ ሜላ ክዓ ዓሰርተ ክልተ ስሙናት ዕድመ ዘለዎ ጥንሲ ናብ ሆስፒታል ብዘይ ምኻድ ስወሰድ እዩ። ኣብ ናይ ቐትሪ ግዜ ስል ዝካየድ ንዝተወሰኑ ውሑዳት ሳዓታት ኣብ ሆስፒታል ምፅናሕ ከድሊ እዩ። 3፥4፥6፥ ሰሙናት ድሕሪ ምስዳድ ጥንሲ ናብ ሆስፒታል ብምኻድ መርመራ ምግባር ኣድላዪ።ዝተፈላለዩ ዓይነት መክላኸሊ ጥንሲ ክሕብሩ እዩም።

ናይ ዑቑባ ሕቶ ኣብ እንግሊዝን ካልኦት ናይ ኣውሮጳ ሃገራትን

ኣብ ካልያ ዘለው መብዛሕትኦም ስደተኛታት ናብ እንግሊዝ ናይ ዑቕባ ሕቶ ክቕርቡ ይደልዩ። በዚ ምኽንያት ናይ ዕቑባ ሕቶኹም ብክመይ ውፅኢታዊ ክም ዝኽውን ሓደሕደ ሓብሬታታት ክንህበኩም።

ናይ ዕቑባ ሕቶ ኣብ ካልኦትናይ ኣውሮጳ ሃገራትትምሳሳሊ እዪ። ግን ቅብ ሕድሕድ ሃገራት ኣውሮጳ ጠቐምቲ ውኾኑ ቅፍላላያት ኣለው። ኣብነትታት ክም ፈረንሳ ጀርመን፥ ንምግላፅ ወላ እንተተሞክረ ንኩሉ ሃበሬታት ዝኣክል ቦትን ግዜን ግን ግዲቡና። ዑቑባ ንምሕታት እንተድኣ ዝሲንኩም ኣብታ ሃግር ቅድሚ ምብፃሕኩም ወይ ምስ በፃሕኩም ብቕልጡፍ ንናይ ሕጊ በዓል ወይ ን ስደተኛታት ትሓጋጋዝቲ ጉጅለ ምጥያቕ ይካኣል እዩ። ናብቲ ትደልዩዎ ሃገር ዑቑባ ንምሕታት ክሕግዝኹም እዩም።

ናይ ዑቑባ ሕቶ ኣብ እንግሊዝ

ናይ ዑቑባ ሕቶ ብጣዕሚ ሕልኽላኽ እዩ። ግን እቲ ሲስትም እተረድኦ ስብ ዝሓሸ ዕድል ኣለዎ።

ዑቑባ እንታይ እዩ?

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዑቑባይ ክትሓቱ ከለኹም ከም ስደተኛ ኮይንኩም ኣፍልጦ ንኽውሃበኩም እዩ፡፡ እቲ ሕጋዊ ትርጉም ስደተኛ ከምዝቕፅል ይኸውን፡፡

“ዝኾነ ሰብ ብምኽንያት ዓሌት፣ ሃይማኖት፣ ዜግነት፣ ናይ ፖለቲካ ኣመለኻኽታ ወይ ድማ ናይ ሓደ ሕ/ሰብ ኣባል ብምኻኑ ጥራሕ መቕፃዕትን ግፍዕን ዝበፅሖ ስደተኛ ይበሃል፡፡”

ቐፃሊ ሂወትካ ኣብ ዘስግእ ኩነታት ምብፅሑ/ምኻኑ ክተርድእ ኣለካ፡፡ ኮታስ ኣብ ሃገርካ ኮይንካ ክትፃወር ከምዘይተኽእል ክትገልፅ ኣለካ፡፡ ንምንታይ ዓዲ እንግሊዝ ንሀለዋትካ ምችውቲ ምኻና ክትገልፅ ይግባእ፡፡

ልቢ በሉ፡

ዝሓሸ ናብራ ንምርካብ ወይ ድማ ስራሕ ንምትእልላሽ ኢልካ ሃገርካ ገዲፍካ እትወፅእ እንተኾይንካ ብናይ ዓለም ለኸ ሕጊ መሰረት ስደተኛ ኣይኮንካን/ተባሂልካ ኣይትፅዋዕን፡፡

እንግሊዝ ምስ ኣተኻ ቀልጢፍካ ዑቑባይ ክትሓትት ይግባእ፡፡ ዘይሓተትካ እንተፀኒሕኻ ግን/እንተዘንጊዕኻ ሓገዝ (ገዛ፣ ምግቢ) ናይ ምርካብ ዕድልካ ዝተሓተ እዩ፡፡ ዘእምን ምኽንያት እንተሃልዩካ ግን ዘንጊዕኻ ምሕታት ውን ይክእል ዩ፡፡ ንኣብነት ናይ ክሮይደን ክተመልክት ምኻድ ዘይትኽዕል እድሕርድኣ ኮይንካ ወይ ድማ እቲ ሓላፊኻ (ዘሻገረካ ሰብ) ፅናይ እንተይሉካን ዝኣመሰሉ ምኽንያታት እንተልዩ ድሒርካ ምምልካት ይክእል፡፡

ናይ ደብሊን ዋዕላ/ዋዕላ ደብሊን/ ስምምዕነት ደብሊን

ደብሊን III እንታይ ዩ?

እዚ ስምምዕነት እዚ ብዛዕባ ኣየነይቲ ኣባል ኤሮፓ/ኤውሮጳ እያ ናይ ኣመልከትቲ ዑቑባይ ክትርኢ ዘለዋ ዝብል እዩ፡፡ እቲ ማመልከቻኻ ውን በታ ቀዳመይቲ ሃገር ዝመረፁልካ እዩ ፕሮሰስ ዝግበረልካ፡፡ ዓሸራ ንካልእ ሃገር ሂብካ እንተፀኒሕኻ ጉዳይካ በታ ሃገር ንሳ ይኸውን፡፡ ብዛዕባ እዚ መማረፂ የብልካን፡፡ ሓደ ሓደ ኣባል ሃገራት ዓሽራ ብግዲ ይገብርዎ፡፡ እቲ ኣብ እዋን ቃለ መሕትት ብዛዕባ ጉዕዞኻ እትህቦ መረዳእታ ደብሊን III ዝጠቅም ይኹን ኣይኹን ይውስኖ እዩ፡፡ ናብ ሓንቲ ሃገር ቀጥታ እንተበሪርካ ናብ ካልእ ሃገር ኣይትዘዋወርን፡፡ እቲ ዓይነት ቃለ መሕትት ከከም ኣባል ሃገራት ይፈላለ እዩ፡፡

ደብሊን III ከመይ ከምዝኾነ ሕድ ሕድ ሓበሬታ ክትረክብ ይግባእ፡፡ እቲ ሓላፍነት ኣየነይቲ ኣባል ሃገር ከምትወስድ ንምፍላጥ ቃለ መሕትት ብኣካል ብምቕራብ ይኸውን፡፡

እታ ዘለኻላ ሃገር ናይ ዑቑባይ ሕቶኻ ብኻልእ ኣባል ሃገር process ክግበር ከም ዘለዎ እንተወሲና ናይ “ይዞራል” ሕቶ ክቐርብ ኣለዎ፡፡ እታ 2ይቲ ሃገር ሕቶ ዑቑባይካ እንተተቐቢላቶ ብደብዳብ ይንገረካ፡፡

ንኣብነት፡- ኣባል ዑቑባይ ኣብ ጀርመን ትሓትት፡፡ ቃለ መሕትት እንዳሃብካ ንኣስታት 3ተ ሰሙናት ዝፀናሕካ ግን ኣብ ስፔን እዩ፡፡ ስለዚ ብመሰረት Dublin III ዑቑባይካ ኣብ ዓይጀር መን ምኻኑ ተሪፉ ናብ ስፔን ይዘዋወር፡፡

ስድራ፡ ኣብ ካልእ ዓዲ ኮይኖም ዑቑባይ ይሓቱ ንዘለው ከም ሰበይትኻ፣ ሰብኣይኪ፣ ደቅኹም ክትከዶም እንተደሊኻ ንዝምልከት ኣካል ብምሕባር ምዝውዋር ይክእል እዩ፡፡ ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾኑ ቆልዑ ምስ የሕዋቶም ክሕውስሉ ይኽእሉ ‘ዮም ብመሰረት ዱብሊን III ።

ምዝውዋር፡ እቲ ምልክታ ናይ መወዳእታ ምስኮነ ኣባል ሃገራት ብዛዕባ ምዝውዋር ኣብ ስምምዕነት ይበፅሓ፡፡ ኣገባብ Dublin III ብሓፈሻ ንኣስታት 11 ኣዋርሕ ይፀንሕ፡፡ (ዝተኣሰረ ወይ ድማ ዝጌሸ/ዝገየሸ ሰብ እንተዘይሃልዩ ጥራሕ) ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብ ሓንቲ ዓዲ/ሃገር እንተፀኒሕኻ ናይ ዑቑባይ ሕቶካ ናይ ምስትእንጋድ ሓላፍነት ኣለዋ፡፡

ኣባል ሃገራት፡ ኣውስትሪያ፣ ቤልጂየም፣ ክሮሺያ፣ ሲፕረስ፣ ቼክ ሪፖብሊክ፣ ዴንማርክ፣ ኒስቶንያ፣ ፊንላንድ፣ ፈረንሳ፣ ጀርመን፣ ግሪክ፣ ሃንጋሪ፣ ኣየርላንድ፣ ጣልያን፣ ላቲቫ፣ ሊታንያ፣ ላግዘምበርግ፣ ማልታ፣ ነዜርላንድ፣ ፖላንድ፣ ፖርቹጋል፣ ሮማንያ፣ ስሎቫክያ፣ ስሎቬንያ፣ ስፔን፣ ስዊድን፣ እንግሊዝ፣ ኖርዌይ፣ ኣይስላንድ፣ ስዊዘርላንድን ሌችተንስተይን

ንደብሊን ምቅዋም/ምስ ደብሊን ምክርኻር ይኽእል ዶ?

ንደብሊን ምቅዋም ብጥዕሚ ከቢድ ‘ዩ፡፡ ይኹን ‘ምበር ናብ ሓደ ሓደ ሃገራት ኢሮፓ እንተወሪድካ (Deporting) ብመሰረት ሕጊ ምዝታይ ይክእል ‘ዩ፡፡ ቅድሚ ናብ እንግሊዝ ምእታውካ ዓሽራ እንተሂብካ ኔርካ ሓበሬታ ክትሓትት ኢለካ ቅድሚ ዑቑባይ ምሕታትካ (ካብዞም ዝስዕቡ ኣርጋ ናይ ዜሽና ነቲ ሓደ ምታት ይክእል)፡፡

ንደብሊን ምቕዋም ካብ እንኽእላሎም መንገድታት

ECHR ዓንቀፅ 3 Breach- ኢ-ሰብኣዊ ዝኾነ ኩነት (ንኣብነት ኣብ ግሪክን ዝተወሰና ሃገራት ኢውሮጳን)

ኣብ እንግሊዝ ቤተሰብ/ዘመድ እንተሃልዩካ

እንግሊዝ ናብ ካልእ አውሮጳ ሃገር እትልእኸካ ኮይናን እዛ 2ይቲ ሃገር ድማ እንግሊዝ ናብ ዘይትልእኸሉ ዓዲ እትልእኸካ ኮይና

ናይ ጥዕና ፀገም እንተልዩካ/ኪ

እዚኦም ንዱብሊን ዝፃረሩ ምኽኒታት ኣይኮኑን፡፡ ሓበሬታ እትረኽበሉ/ብሉ ግዜ ንኽህልወካ ግን ይሕግዘካ፡፡

‘ቅልጡፍ(Detained fast track’) እንታይ ማለት ‘ዩ?

ሓደ ሓደ ግዜ ጉዳይካ ዲቴይንድ ፋስት ትራክ ‘Detained fast track’ ብዝተብሃለ ቅልጡፍ መንገዲ ክትሓዝ ይኽእል ‘ዩ፡፡ ዋኒንካ (ጉዳይካ ክሳብ ዝርኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንክትፀንሕ ይግበር፡፡ ዘየእምንን ድኹምን ምኽንኒት እንተኾይኑ በዚኣን ካብ ትፀንሕ፡፡ መእመኒ ሓሳብ እንልዩካ ግን ካብዚ ትወፅእ፡፡

ብዛዕባ ቅልጡፍ ‘detained fast track’ ክፍለጡ ዘለዎም ነጥብታት

ኩሎም ጉዳያት እዚ መደብ ተቐባልነት የብሎምን (99% ኣብ ሃርሞንዱስ ዎርዝ) 93% ይግባኝ ዝተባሃለ ውድቂ ‘ዩ፡፡

ንምጥራዕ 2 መዓልቲ ይወሃበካ፡፡

ኩሉ ኣካይዳ ዝካየድ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እናሃለኻ ‘ዩ፡፡ ውሳነን ጥርዓንን ኣብ ዝሓፀረ እዋን ይካየዱ፡፡

ናይ ዓዲ እንግሊዝ ኣገባብ ኣተሓታትታ ዑቑባ

ቆፀራ ምስ ሉናር ሃውስ ብዛዕባ ዑቑባ ንምዝርራብ ናብ ዑቕባ መፃረይቲ ጉጅለ ምድዋል (ስልኪ ቑፀሪ 02081964524) ኣድላይቲ ዝኾኑ ሕቶታት ይሓቱኻ፡፡ ናብ ፖሊስ ጣቢያ ብምኻድ ‘ውን ሓበሬታት ምርካብ ይክኣል ‘ዩ፡፡ ብቓለ መሕትት ይፃረ፡፡ ናብ እንግሊዝ ብኸመይ ከምዝመፃእኻ፣ ዓሽራ ትሕተት ከምኡ ‘ውን ስእልኻ ትህቦምሞ ናብ ካልእ ሃገር ትኸይድ እንተኾይንካን እንተዘይኮንካን ይውስኑ፡፡

ብዛዕባ ናይ ዑቑባይ ኣተሓታትታ መንገዶም ገለ ሓበሬታ ክትህቦም ግድን ‘ዩ፡፡

ሪፖርት ናይ ምግባር ኩነታት፡ ካብ ትካል ዝተላእክልካ ናይ ስራሕ ኣማካሪ ትረክብ፡፡ ብዛዕባ ዑቑባይ ኣተሓታትታ ‘ውን መግለፂ ይገበብረልካ፡፡

ዕድመ፡

ዑቑባይ ቓለ መሕትት፡ ዋና ቃለ መሕትት ብዛዕባ ንምንታይ እታ ሃገሮም ከምዝገደፉከያን ዑቑባይ ኣብ ካልእ ሃገር ንምንታይ ከምዝደለኻን ትሕተት፤

ተወሳኺ መረዳእታ ኣብ 5 መዓልትታት ውሽጢድሕሪ እቲ ቃለ መሕትት ክቐርብ ኣለዎ፡፡

ቃለ መሕትት (ምስ ካልኦት ናይ አውሮጳ ሃገራት ተመሳሳሊ ‘ዩ፡፡)

ክልተ ቃለ መሕትት ኣለውኻ፡፡ ክልቲኦም መልስታትካ ተነፃፂሮም ተመሳሳሊ መልስታት ክኾኑ ኣለዎም፡፡

1ይ ቃለ መሕትት፡ ሽም፣ ዜግነት፣ ዝተወለድካሉ ዕለት ወዘተ፣ ደቂ፣ ሓዳር ወዘተ ትተት ከምኡ ‘ውን ንምንታይ ዑቑባይ ከም ዝሓታትካ፡፡ እቲ ኣድላዪ ሕቶ ዝሓቱኻ ድማ ብዛዕባ ጉዕዞኻ ናብ እንግሊዝ ይኸውን፡፡ ብኻሊእ ሃገር ጌርካ እንተመፂካ ናብኡ ይወስዱኻ፡፡

2ይ ቃለ መሕትት፡ ወሳኒ ሕቶ (ናይ ዑቑባይ ሕቶ ‘ውን ይብሃል) ኮይኑ ብዛዕባ ምኽንያት ዑቑባይከ ትሕተት፡፡ ነዊሕ ቃለ መሕትት ኮይኑ ከቢድ ‘ዩ፡፡

ሓንቲ ሕቶ ብዝተፈላለየ መንገዲ ንምድንጋር ይሓተኻ፡፡ ተረጋጊፅካ መልስኻ ሃብ፡፡ ዕረፍቲ ወይ ድማ እንተዘይተረዲኡካ ክትሓትት ትኽእል ኣስተርጓሚ ናይ ምሕታት መሰል ኣለካ፡፡ እንተዘይተስማዕሚዖምኻ ኣይጠዓምንን በሎም፡፡ ኮፒ (ቅዳሕ ናይ ትራንስክሪፕት ናይ ምታት መሰል ኣለካ፡፡ ቅድሚ ትኽክል ‘ዩ ኢልካ ምፍራምካ ኣንብብ፡፡

ድሕሪ እቲ 2ይ ቃለ መሕትት ሕቶ ዑቑባይካ እንተተቐቢሎምዎ ወይ ድማ እንተዘይተቐቢሎምዎ ይንገረካ፡፡

መረዳእታ

ቅድሚ ቃለ መሕትት ምግባርካ ብዝሕ ዝበለ መረዳእታ ምሓዝ ኣድላዪ ‘ዩ፡፡ እቶም መረዳእታታት እዞም ዝስዕቡ ክኾኑ ይኽእሉ ‘ዮም፡፡

መላለዪ መንነት ዶክምንት ወይ ወረቐት

ኣድለይቲ ናይ ጋዜጣ ዓንቀፃት

ናይ ሞት ሙከራታት ድብድብታት

ውድብ/ትካል ኣባልነት ካርዲ

ደብዳቤ ካብ ፖለቲካዊ ፣ ሃይማኖታዊ ቢሮታት ብዛዕባ ከቢድ ኣባልነትካ

ዋሕስ

ናይ ቤት ፍርዲ መፀውዒ

ናይ ጥዕና ሪፖርት

ደብዳበ ካብ የዕርኽትኻ/ኣፍቃሪትካ፡፡ ፊርማ፣ ዕለት ክህልዎ ኣዎ፡፡ ብኽልተ መሰኻኽር ክድገፍ ኣለዎ፡፡ እዞም መሳኻኽር መለለዩ መንነቶም ቕዳሕ ክህቡ ኣለዎም፡፡

እንተተኻኢሉ ናይ ሕጊ ምሁር ምምኻር ፅቡቕ እዩ፡፡ ቅድሚ ናብ ቃለ መሕትት ምእታው

ውፅኢታት፡

ስደተኛ ን5 ዓመታት ውፃእ ከይተባሃለ ክፀንሕ ይኽእል እዩ፡፡ ናይ ምስራሕ፣ ጥቕምታት ናይ ምርካብ፣ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ምዝውዋር መሰል ኣለካ፡፡ ናብ ዓድኻ ግን ኣይካኣልን፡፡ ድሕሪ 5ዓመት ግን ናብ ዓድኻ ክትከይድ ትኽእል እንድሕር ድኣ ኩነታት ተመቻቺዮምልካ፡፡ እንተዘይኮይኑ ግን ንተወሳኺ 5 ዓመት ተመልክት፡፡ ንተኸታተልቲ 10 ዓመታት ኣብ እንግሊዝ እንተፀኒሕካ ቀዋሚ ነባሪ ንኽትከውን ተመልክት/ተታሓሳስብ፡፡

ናይ እንግሊዝ ፓስፖርት ምርካብ ናቹራላይዜሽን “naturalization” ይበሃል፡፡ ን5 ዓመታት ምስ ፀናሕኻ “Naturalization” ንምርካብ ክተተሓሳስብ ትኽእል ኢኻ፡፡ ይኹን ‘ምበር ብቀጥታ ኣይውሃበካን እዩ፡፡ ክባር ድማ ‘ዩ፡፡ ፈተና ውን ኣለዎ፡፡ ፅቡቕ ፀባይ ከምዘለካ ‘ውን ክተርኢ ኣለካ፡፡

ዑቑባ እንተዘይረኺብካ ግን ሰብአዊ መሰል ንዝሕልው ትካላት ክትፈልጥ ይግባእ፡፡ እዞም ትካላት ‘ዚኦም ን5 ዓመት ክፈቕዱልካ ዝኽእሉ ዶብ ዓድኻ ከም ኩናት ዝኣመሰሉ ፀገማት ምህላዎም እንተተረጋጊፆም ጥራሕ ‘ዩ፡፡

ብናይ ባዕልኻ ውሳነ ክትኸይድ (እንግሊፅ ለቂቅካ) እንተኾይንካ minor እንተኾይንካ ‘ዩ፡፡ ናይ 3ተ ዓመት ዕድል ድማ ይወሃበካ፡፡ ብዛዕባ ‘ዚ ዝምልከት ንመማኽርቲ ሕጊ ኣዘራርብ፡፡

ወይ ድማ ዑቑባይከ እንተዘይተሳኺዑ ግን ካብ ዓዲ እንግሊዝ ንኽትወፅእ ቆንስላ ሃገርካ ይጅምሩ፡፡ መዓዝ ከምትወፅእ (ዕለትን ሰዓትን ይንገረካ፡፡ ኣብ ግዚያዊ እሱር ቤት እንተዘይኔርካ ናብ ግዚያዊ እሱር ቤት ናይ ምኻድ ዕድልካ ዝለዓለ ‘ዩ፡፡

ግዚያዊ እሱር ቤት

ምምሕዳራዊ ምእሳር ኣብ እንግሊዝ ናይ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ምውሓዝ ንምቑፅፃር፥ ወይ ንምጥራዝ ዝዓልመ ክኾን ይኽእል እዩ። ኣብ እንግሊዝ ናይ እሱር ቤት ናይ ግዜ ገደብ የለን። ናይ ዝተአስርካሉ ምኽንያት ፎርም ረኺብካ IS91R እትበሃል ውርሓዊ እትሕተም ሪፖርት ክትውከስ ኣሎካ። እዛ ሪፖርት ብቲ ጉዳይ ተሓዚ ትጠሓፍእ ንትትክውን ናይ ምኽንያታታት ምእሳር ዋሕስን ጥቕሉል መረዳእታ ሒዛ እያ ትወፅእ። ውሕስና ንምምልካት ንዝኽዱ ሰባት ድማ ትኤአሃቦም።ውሕስና ንምምልካት እዞም ሪፖርትታት እዚኦም ምውካስ አድላዪ እዩ። ብውይ ሕጊ ብሰብ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝተንቕስቅቐሱ ስባት ህፃውንቲ፥ ቑሱላት፥ ዓበይቲ፥ ሱንኩላት ጥኑሳትን ዓብይ ናይ ጥዓናን ኣእምሮን ሽግር ዘለዎም ሰባትን ክእስሩ ብሕጊ ኣይፍቅድን። እንተኮነ ግን ይእስሩ እዮም።

ናይ ገንዝብ ቕፅዓት/ዉሕስና

ኣብ ዉሱናት ኩነታትዝምልከቶ ኣካል ንእሱራት ካብ እሱርቤት ክወፁ ይግብር እዩ። እሱራት እዉን ጉዳዮም ንዝሓዘሎም ኣካል ክሓቱ ይኽእሉ እዮም። እዚ እንድሕር ዘይኮይኑ ግን ዝሓዝኩሞም ናይ መጠይቕ ውረቓቕቲ ሓዙዎም። ደሓር ግዜ ዝተወስነ ደረጃ ክይድኩም ንምንባርኩም ምችሰኻክር ስለ ዝኽኑ። መብዛሕታኡ ግዜ ኣብ እንግሊእ ን 7 መዓልትታት ዝታሰረ ቕፅዓቱ ብገንዘብ ክኾንሉ ክሓትት ይኽእል እዩ።

ኣድራሻ

ሕጋዊ ሓበሬታታት ንምርካብ:

ukba.homeoffice.gov.uk

freemovement.wordpress.com (blog on immigration law)

languages.refugeecouncil.org.uk (Refugee Council’s multilingual info site)

ውከሳ:

refugeecouncil.org.uk For the free multilingual advice line call 0808 808 2255)

asylumaid.org.uk (Advice line open on Tuesdays 1-4pm

lawcentres.org.uk

citizensadvice.org.uk

praxis.org.uk (Advice & translation, Bethnal Green)

airecentre.org – (Advice on European/Dublin issues)

kalayaan.org.uk (Advice to migrant workers)

freedomfromtorture.org (Medical Foundation, for medico-legal reports)

medicaljustice.org.uk – (For medico-legal reports)

hackneymigrantcentre.org.uk

migranthelpline.org.uk biduk.org

ፍሉያት ኩንታት

ናይ ፆታዊ፥ ኣካላዊ ወይ እካላዊ ጉድኣት እንትሃልዩኒ ክ?

 

ክነ ትባሂሉ ንዓኻ ዝበፅሓካ ፆታዊ፥ ኣካላዊ ወይ እካላዊ ጉድኣት እንተሃልዩካ፥ኣብ ቓለ መሕትትካ ኣብራህራሃዮ። ብዛዕባ ፆታዊ ጥቅዓት ምዝራብ ክቢድ ዋላ እንተኾነ ፥ክትዛርቦ ግን ግድን እዩ። ምኽንያቱ ብዱላት ስባት ኣብ ናብ ማንም ኣውሮፓዊት ሃገር ዑቑባ ኣብ ዝጥይቕሉ ግዜ ቕድሚያ ይውሃቦም እዩ። ንኣብነት ናብ ግዜያዊ እሱር ቤት ኣይኣትውን።

ግብረ ስዱማዊ/ት እንተኮይነ ኽ?

ግብረ ስዶማዊ ብምዃንካ በደል እንተበፂሑካን ነዚ እተቕርቦ መርትዖ እንትሃልዩ ናይ ዕቑባ ሕቶኻ ኣብ ኩለን ናይ ኣውሮፓ ሕብረት ኣባል ሃገራት ተቐባልነት ኣለዎ።   ኩለን ሃግራት ግብረሰዶማውያን ብክመይ ምስ ምፅምዶም ክራከቡ ከም ዘለዎም ዝተፈላለየ ሕጊ ኣለዎን።

ጅርምን

ግብረስዶም ገበን ካብ ስኾነላ ሃገር ናብ ጅርመን ዝመፀ ዕቝባ ሕታቲ ሙሉእ ሙሉእብ በዚ ምኽንያት ጥራይ ኣብ ሃገሩ ዝተቐፅዓሉ ናይ ወረቐት መረዳእታ ከቕርብ ኣሎዎ።

ፈረንሳ

ግብር ስዶም ክልክል ካብ ስኾነላ ሃገር ናብ ፈርንሳ ዝመፀ ዕቝባ ሕታቲ ማሕበር ብዘይ ምኽንያት ዝተቐፅዓሉ ናይ ወረቐት መረዳእታ ከቕርብ ፈርንሳ ናይ ባዕላ ዝኾነ ናይ ግብረስዶም ዝይፈቕዳ ሃገራት ዝርእር ኣሎዋ። ካብቶም ናይ ሃግራት ዝርዝር፥ እታ ዝመፃእካላ ሃገር ሓንቲ እንተ ኾይና ናይ ዕቑባ ሕቶኻ ይምለስ እዩ።

ሉዠምቦርግ (Luxembourg)

ሉዠምቦርግ ናይ ግብረ ስዶም መስል ስለ ትፈቅድ እዚ ምሰል እዚ ምስ እትድልዩ ናይ ሃገርኩም   ናይ መርዓ ክምይ ምዃኑ ክተድኡ ኣልችኩም።

በልጄም

ኣብ በልጄም ናይ ፆታዊ ዝንባለ ንዕቑባ መሕተቲ ቐንዲ መስረት እዩ። ን ናይ ዑቕባ ሕቶኹም ብ ፆታ፥ ፆታዊ ማንነትን ፆታዊ ዝንባለን መሰረት ብምግባር ዝርኢ ቢሮ (office of the Commissioner-General for Refugees and Stateless Persons). ይበሃል።

ኔዘርላንድስ

ኔዘርላንድ ኣብ ናይ ፆታዊ ዝንባለ ምኽንያት ዑቕባ ምጥያቕ ኣብ ፖሊሲኣ ብግልፂ ኮኒናቶ እያ። ዋላ ፅመፃእኻላ ሃገር ግብረ ስዶም ትኽልክል ምዃና መርትዖ ኣቕሪብካ ተቐባልነት ኣይብልካን። ብሕጊ መስርት ግን ግብረ ስዶማዊ ስለዝኾንካ ኣይትጥጥረዝን። ዘይምርዋት ስዶምማዊያን ፅምዲ ከም ሓደ ቤተሰብ ትገሮም ይውስዱ።

ዴንማርክ

ኣብ ዴንማርክ ፍሉይ ፆታዊ ዝንባለ ዘለዎም (ግብረስዶማዝያን) ኣብ ብሕጊ ከም ፍሉይ ጉዳይ ዘለዎም ስባት ትገሮም ኣይትጠቐሱን። እንትኾነ እታ ሃገር ንግብረ ስዶም ስባት ፆታዊን ኣካላውን ጥቕዓት ንእበፅሖም ስባት ዑቕባዊ ሕቶ ኣቕሪብካ ተቐባልነት ትግብር እያ። ዘይምርዋት ስዶምማዊያን ፅምዲ ብሓድ ክንብሩ ኣሎዎም። ምእንቲ ኣብ ግምት ክኣው።

ሽወደን

ኣብ ሽወደን ናይ ግብርስዶም ምሰለ ተኻራኻሪ ጉጅለ (RFSL) ን ስባት ብዛዕባ ፆታዊ ክፍፍል፥ ግደን ጥቕምታቱን ንማሕበር ሰራሕተኛታታት ሽወደን እንዳ ኣሰልጠነ ፀኒሑ እዩ።

ብትወሳኺ፥ን ኣብ ዑቕባዊ ማእክላት እንዳኣምሃረ ፀኒሑ እዩ። ከም ፀብፃብ (RFSL) እንትኮይኑ ግቡእ መረዳእታ ዘይብሎም ግብረ ስዶምማዊያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ ሓግሮም ተጠሪዞም እዮም። ስዶምማዊያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ሽወደን ከም ፍሉይ ጉዳይ ዘለዎም ስባት ትገሮም አይኮነስ ከም ሓደ ቤተሰብ ትገሮም ይረኣዩ።

እንግሊዝ

ኣብ እንግሊዝ ዋላ ፅመፃእካላ ሃገር ግብረ ስዶም ትኽልክል ምዃና መርትዖ ኣቕሪብካ /ኪ ግብረ ስዶምማዊ ስለዝኾንካ ጥራይ ናይ ዕቑባ ሕቶኻ ኣይምለስን።

Travel Tips in Europe (ምክሪ/ሓበሬታ ናብ ናይ ኣውሮፓ ጉዕዞ)

ናይ ኮይነ ዶ ኣብ ኤውሮፓ ክጉዓዝ ይክእል

ወላ እኻ ናይ ናዳ ጉዕዞ ከባቢኪ/ቦታ ዝብል ክልስ ሓሳብ “ኣብ መብዛሕትኡ ኤውሮፓ (Schengen ብፍላይ እተን ካብን ናብት ናዳ ምንቅስቃስ ዝፈቅዳ ሃገራት) እንተሃለወ ግን ብርግድ ከምቲ ኣቀዲምካ ዝርኣ ከም ብፓስፖርት ምቁፅፃር ኩሉ ግዜ ተክእሎ ኣሎ ኣብ ትጉዓዘሉ እዋን ብፍላይ ነገር ቅሪድካ ናብ ካልእ ነገር ኣብ ትጉዓዘሉ፡፡

እቲ ዝበለፀ መማረፂ ናይ ጉዕዞ እንታይ እዩ?

ብንእሽተይ መኪና ክትጉዓዝ እንተድኣ ክኢልካ፣ ካብ ብባቡርን ኣውቶብስን ዝተሓተ ናይ ምቁፅፃር ዕድል የጋጥመካ፡፡ ሓደ ካብዚ ተክእሎታት እዚ ድማ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ዝንቀሳቀሳ ናይ ማሕበበር ንኣሽቱ መካይን እቲ ኣውቲስታ/ሹፌር ናብ ፖሊስ ምስ ዝሕብር ግና ግድን ሓደን ግንጥም፡፡

ብታክሲ ክትጉዓዝ ውን ተክእሎ ኣሎ ግን ብጣዕሚ ክቡር እዩ፤ ንነዊሕ መንገዲ ክትጉዓዝ ምስትደሊ፣ ከምቲ ዝሰማዕኖም ገለገለ ዛንታታት ድማ ብዙሓት ኣውቲስታታት ነቶም ወረቐት ዘይብሎም ሳትት ንፖሊስ ከም ዝነግርሎም እዩ፡፡

ፓስፖርት ምቁፅፃር ብዙሕ ግዜ ኣብተን ዓለምለኽ ዝኾና ባቡራትን ኣውቶብሳትን ግን ከም ወላ እኳ ናይ ኩሉ ግዜ ክስተት ኣይኹን እምበር። ስለዚ ዕድልካ ክትርኢ ትክእስ፣ ክትዕወት ውን ትጥእስ ኢካ፣ ብዙሓት ብዝተፈላለየ ድርጅታት ዝውነና ኣውቶብሳት ኣለዋ ንብነት እንግሊዝ። ካብ ተሞኩሮና እተን ኣብ ሓደ ከባቢ ዝሰርሓ ኣውቶብሳት ካብተን ነዊሕ መንገዲ ዝከዳ ዝሓሸ ናይ ምቁፅፃር ዕድል ኣለወን፡፡ ስለዚ ኣብ ክንዲ ሓንቲ ኣውቶብስ ተጠቂምካ ነዊሕ ጉዕዞ ምጉዓዝ፣ ነተን ሓዳር ጉዕዞ ዝከዳ እንዳገበርካ ብብዙሓት ኣውቶብሳት ኣብ ዝደለካዮ ክትበጽሕ ዝሓሸ ዕድል ይህልወካ፡፡

ኣብ ውሽጢ ፈረንሳ ክትንቀሳቀስ/ክትጉዓዝ ምስ ትፍትን ግን ብዙሓት ሰባት ብዘይዝኮነ ክፋላት ተጠቂሞም ዝጉዓዙ ኣለው፡፡ ብርግፅ ግን እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ሓደጋ ዝተሓሓዘ እዩ፡፡

ኣብ ጉዕዞይ ተወሳኪ ክሓስቦም ዝግብኣኒ እንታይ ኣሎ?

ሓንሳብ ኣብቲ ዝደለካዮ ቦታ ምስ በፃሕካ፣ ብርግፅ ከመይ ገይርካ ኣብኡ ከም ዝበፃሕካ ድብቅ ዛንታ እዩ ዝህልወካ፡፡ ክዝከር ወይ ክፍለጥ ዘለዎ፣ ኣብታ ናይ መጀመርታ ብኣተካዮ ኤውሮፓዊት ሃገር ጥራይ ኢካ ፖለቲካዊ ዑቅባ ክትሓትት ዘለካ፣ ንኣብነት ኣብ ሽወደን ዑቅባ እንተሓቲትካ ብኽምይ ካልኦት ሃገራት ኤውሮፓ ግዜ ክይጥፋእኻ ናብ ሽወደን ከም ዝኣተካ ክትገልጽ ክትክእል ይግብኣካ፡፡

ሓንሳብ ምስኣተካ ክትሓስቦ ዝግብኣካ ቀልጢፍካ ዲካ ጉዳይካ ክተስምዕ ትደሊ እንተኾንይንካን ንውሑዳት መዓልትታት ክትፅ በእንተኾንይንካን ሕሰብሉ። ፡ ብሕጋዊ መዳይ ግን፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብታ ሃገር እትው ክትብል እንከለካ ኢካ ጉዳይካ ክተስምዕ ትሕተት ወላ እኳ ቅድሚ ከምኡ ምግባርካ ሕጋዊ ኣማካሪ ይወሃበካ እንተኮነ፡፡ ብርግጽ ስለምንታይ ኣብታ ሃገር እትው ምስበልካ ዘይምምልካትካ ክትገልፅ ኣለካ (እቶም ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ዘሰጋግሩካ ንዝተወሰነ መዓልቲ ስቅ ክትብል ከምዝነገሩካ) በገዛ እርእስካ ርግፀኛ ምስ ዘይትከውን ግን ምስ ውዱባት ንስደተኛታት ከመይ ገይሩ ዑቅባ ከምዝሓትት ዝሕግዛ ወይ ዝድግፋ ዝምድና ወይ ሌላ ምግባር ድብቅ እዩ፡፡

ፈረንሳ

ኣበይ እዮም እቶም ቀንዲ ምቁፅፃራት ዝግበረሎም

ኣብ ናይ ባቡር መደብራት፣ ህዝባዊ መጉዓዝያ፣ መሰጋገሪ ቦታታት፣ ህዝባዊ/ መዘናግዒታትን።

ዑቅባ ምሕታት ብከመይ እዩ ዝሰርሕ?

መጀመርታ ግን ምስ OFII (ፈረንሳ ቢሮን ስደትን ምትሕውዋስን) ዝምድና ክትገብር ክትክእል ኣለካ ሓበሬታ ናይ ሕጋውየን ውድባት ሓገዝ ዝህቡ ኣብ ግዜ መስርሕ ጉዳይካ መታን ክህበካ፤ ስለዚ ምስዚ OFII ዝምድና ምግባር የድልየካ እዩ፡፡

ሰነዳ ውድብ/ማሕበር ውን ክሕግዘካን ብሩድ ዝኮነ ስራሕ ክገብረልካን ይክእል፡፡ ኣብ ልዕሊዚ ውን ንሓደ ናይ ሕጊ በዓል ሞያ ክትዛረቦ ትክእል ኢካ ወይ ውን ብገዛእ ርእስካ ከተተግብሮ ትክእል ኢካ ጉዳይካ፡፡ ኣብ ፈረንሳ OFPRA (ናይ ፈረንሳ ቢሮ ስደተኛታትን ሃገር ኣልቦ ዝኮኑ ውልቀ ሰባትን ዝከላከል ወይ ዝሕግዝ) ንሓተትቲ ዑቅባ ይከናከን ከምኡ ውን ከም ስደተኛታት ቅቡላት ክኾኑን ዘይክኮኑን ይውስን፡፡

ናይ ነባርነት ዘውሕስ ቢሮ ናይ መጀመርታ ወረቐት ናብ OFPRA ዝከይድ ክህበካ እዩ ከምኡ ውን ግዝያዊ ዝኮነ መንበሪ (APS) ክህልወካ ክነብር እዩ፡፡ ክልተ ዓይነት ዑቅባ ምሕታት ኣሎ ኣብ ፈረንሳ ኣብቲ ሕጋዊ ዝኮነ መስርሕ 21 መዓልትታት ኣለካ ሕቶካ/ጉዳይካ ናብ OFPRA ክተብፅሕ ወይ ክትልእክ፡፡

መስርሕ ኣማራፂታት

ካብ ውሑስ ዝኮነት ሃገር እንተድኣ እዘን ዝስዕባ ሃገራት ኣብ ለካቲት 2015 ውሑስነት ኣለወን ተባሂለን ካብ ዝተረቁሓ እየን፡፡ ኣልባንያ፣ ኣርመንያ፣ ቦዝንያ-ሄርጎቪና፣ ኬብቨርዴ፣ ጆርጅያ፣ ጋና፣ ህንዲ፣ መቄዶንያ፣ ማውርሽየስ፣ ማልዶቪያ፣ ሞንጎልያ፣ ሞንትሄግሮ፣ ሰኔጋል፣ ሰርብያ፣ ታንዛንያ፤

ናትካ ህልውና ንህዝባዊ ትእዛዛት ወይ ህዝባዊ ሕቶታት ኣስጋኢ እዩ ኢላ ፈረንሳ ምስ ትሓስብ፤

ከምኡው ናይ ዑቅባ ሕቶካ ዘይቅንዑን፣ መታለሊን ኢሎም እንተሓሲቦም፣ ንኣብነት፣ ምትላል ዝመልኦ ወይ ውን ዝተቃፀለ ንስር ኣፃብዕ ምስ ዝህልወካ፡፡

ናይ ሓዳር ግዜ ተኮይኑ ጉዳይካ 15 መዓልትታት ናብ OFPRA ናይ ዑቅባ ሕቶ ተቅርበሉ ይወሃበካ ወይ ውን 5 መዓልትታት እንተድኣ ኣብ መፃረይይ ማእከላት እንተድኣ ሃሊካ ብድሕር እዚ OFPRA 15 መዓልትታት ኣለዎ ሕቶካ ተቀቢሉ ንክምርምር ወይ ውን ንክነፅጎ እንተድኣ ኣብ መፃረያ ቦታ ሃሊካ፡፡

ፈረንሳ ኣብ ውዕል/ሕጊ ዳብሊን ሳልሳይ ስለዝፈረመቶ/ኣባል ኮነት፣ ንስካ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮፓ ዓሽራ/ኣስር ኣዳብዕ እንተድኣ ገይርካ እታ ዝገበርካላ ሃገር እያ ንጉዳይካ ሓላፍነት ዝህልዋ፣ ከምኡ እውን ፈረንሳ ናብታ ዝፈረም ከላ ሃገር ክትመልሰካ ትፍትን፡፡

ክሳብ ክንደይ ዝከውን ግዜ ይወስድ

ብትክክል ኮይንካ ክትዛረብ ከቢድ እዩ፤ OFPRA መብዛሕትኡ ግዜ ካብ 6 ወርሒ ክሳብ ሓደ ዓመት ይወስድ፣ ከምኡ እውን CNDA (ሃገራዊ ቤት ፍርዲ መሰል ሓተትቲ ዑቅባ) ከም ናይ OFPRA ግዜ ይወስድ፡፡

ከመይ ገይረ ይነብር/ይቅመጥ ውሳነ እንዳተፀበኩ? ወፃኢታትዝሽፍነለይ ሓገዝ ይረክብ ዶ?

ብመሰረት እቲ ሕጊ፣ እታ ሃገረ መዕቀቢ ገዛ ክትህበካ ኣለዎ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ CADA (ናይ ለካቲት ዑቅባ መቀበሊ/መተኣናገዲ ማእከል)፣ ሓደ ሓደ እዋን ውን ኣብ ሆቴል ወይ ውን ህፁፅ ዝብሃል መቀበሊ ማእከል ኣብ ኩነታትካ ዝተመርኮሰ ዝወሃበካ ገለ ገንዘብ ኣሎ (በይንካ ዲካ፣ ወላ ምስ ስድራቤትካ) ግደ ሓቂ ግን ዓቢ ናይ ገዛውቲ ሕፅረታት ኣሎ ስለዚ ከጋጥመካ ስለዝክእል ግዜያዊ ዝኮነ መሃያ/ሓገዝ ክወሃበካ ይክእል 320 ይሮ ኣብ ወርሒ፡፡

እንተድኣ ካብቲ መዕቀቢ ማእከል ወዲካ ካብ መንግስቲ ዝብሃል ይኩን ሓገዝ ኣይትረክብን፡፡ ኣብዚ ምሉእ ግዜ ናይዚ ዑቅባ ትሓተሉ መስርሕ ናፃ ዝኮነ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ካብ PASS ትርከብ፡፡ ከምኡ ውን 3 ወርሒ ድሕሪ ግዜያዊ መዕቀቢ ፈቃድ ምርካብካ፣ PASS ናይታ ሃገር ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንክትረክብ ይሕግዘካ፡፡

ምሕፅንታ ወይ ውን ይግባይ ምባል (Appeal)

ጉዳይካ እንተድኣ ተነፂጉ፣ ሓደ ወርሒ ጥራይ እዩ ዘለካ ንCADA (ሃገራዊ ናይ ሓተትቲ ዑቅባ ቤት ፍርዲ) ክትምሕፀን፡፡ ምሉእ መሰል ሕጋዊ ሓገዝ ካብ ሰብ ሕጊ/ናይ ሕጊ ክኢላታት ክትረክብ ውን ኣለካ፡፡

ጉዳይካ ዝስመዓሉ ኣብ ሓዳር እዋን/ግዜ ምስ ዝከውን ግን ኣብ ግዜ ምሕፆንትካ/ሕቶካ ዝኮነ ሕጋዊ ሓገዝ ክትረክብ ኣይትክእልን፣ ነብስካ ውን ካብ ምጥራዝ ናብ ዓድካ ምብራር ክትከላከል ኣይትክእልን በቲ ልሙድ ግን እቶም ሰበ ስልጣን ቅድሚ ንዓካ ምስጓጎም ናይ መጠረሽታ ውሳነ እዮም ዝፅበዩ፡፡

ትሕቲ ዕድመ እንተድኣ ኾይነ ኸ?

ሕጋዊ ኩነታት ናይ ሓደ ትሕቲ ዕድመ ምስ ወለዱ ወይ ውን ስድራ ቤቱ ኣብቲ ሕጋዊ ኩነታት ናይ ወለዱ እዩ ዝምርኮስ፡፡ ወለዱ እንተድኣ ተነፂጎም/ዑቅባ እንተስኢኖም ትሕቲ ዕድመ ውላዶም ኣብታ ሃገር ክፀንሕ ይክእል እዩ፤ ወለዱ እንተድኣ ፈቃደኛታት ኮይኖም፡፡

ብዘይ ስድራ/ወለዲ ንበይኑ ዝመፀ ትሕቲ ዕድመ ግን ኣይንፀግን/ኣይጥረዝን እዩ፡፡ ናብ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮፓ ዝብሩ ኣዝማዱ ንክድንበር ትክእል ኣለዎ፡፡

ትሕቲ ዕድመ ኮይንካ ዑቅባ እንተድኣ ሓቲትካ፣ ግዝያዊ ዝኮነ ብማሕበራውያን ሰራሕተኛታት ዝእለም/ዝካየድ ገዛ ይወሃበካ ሕቶካ እንተተነፀጉ ከኣ ክሳብ 18 ዓመት ትመልእ ኣብታ ሃገር ክትፀንሕ ትክእል፡፡ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ትቅመጥ እንተሃሊካ፣ ግዝያዊ ዝኮነ መዕቆቢ ይህልወካ እዩ፡፡

ስድራ ቤተይከ?

ልዕሊ 18ዕድሜኻ ኮይኑ ዑቅባ ትሓትት እንተድኣ ሃሊካ ደቅካን ሰበይትካን/ ናባካ ክድንብሩ ተክእሎ ኣሎ፡፡ ዘለካ ዝምድና ጥራይ ክተረጋግፅ ኣለካ እንተስ ብና መርዓ ወረቐት ወይ ውን ወለድካ ምካኑ ከም ናይ ጥምቀት ዝኣመሰሉ ወረቐት ብምሓዝ፡፡

ከም ስደተኛ ፈቃድ/ክብሪ እንተረኪብካ፣ ደቅካ ወይ ውን ሰበይትካ/ሰብኣይኪ ኣብ ፈረንሳኣትሞም ንክነብሩ ፈቃድ ይወሃቦም እዩ፡፡

እዚ መስርሕ ግን ሕዋንውሕ ዝበለ ግዜ ክሳብ 2ዓመት ክወስ ይክእል እዩ፡፡ ደምመ ምጥርናፍ ኣባላት ናይ ስድራ ቤት በOFII (ፈረንሳ ቢሮን ስደተኛታትን ምጥርናፍን/ምትሕውዋስን) ኣቢሉ እዩ ዝካየድ፡፡

ክመሃርን ክሰርሕን ይክእል?

ድሕሪ ሓደ ዓመት ፈቃድ ግዝያዊ ፈቃድ ክትሓትት ይከኣል እዩ፡፡ ናይ ስራሕ ዕድል እንተረኪብካ፡፡ ብድሕር እዚ ከም ወዳእተኛ ኮይንካ ኣብ ትሕቲ ሕጋዊ ኩነታት ክትሰርሕ ትክእል፡፡ ትሕቲ ዕድመ ካብ 16 ክሳብ 18 ብዘይዝኮነ ይኩን ሓላፍታት ክረክብ ይኽእሉ እዮም፡፡

ከም ስደተኛ መሰል/ተቀባልነት እንተድኣ ረኪብካ ከም ዝኮነ ይኩን ወዲ ሃገር ንክትሰርሕን ክትመሃርን ትክእል፡፡ ትሕቲ 18 ዓመት ተኮይንካ ንክትመሃር ይፍቀደልካ፣ ትሕቲ 16 ምስ ትከውን ድማ ግድን ክትመሃር ኣለካ፡፡ ብክልስ ሓሳብ ክትርእዮ ከለካ፣ ኣብ ግዜ ናይ ዑቅባ ምሕታትካ ዘሎ መስርሕ፣ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣቲካ ክትመሃር ትክእል ኢካ፣ ድብቅ ምልኪ ቋንቋ ፈረንሳ ከምኡ ውን ገለ ናይ ትምህርቲ ወረቓቕቲ/መረጃ ጥራይ የድልየካ መታን ናብ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ ፈተና ክትገብር፡፡

ከም ስደተኛ ተቀባልነት እንተድኣ ረኪብካ ኣብ ፈረንሳ ክትመሃርን ገንዘባዊ ሓገዝ ክትወሃብን ይፍቀደልካ፡፡ ናይቲ ክትመሃሮ ዝደለካ ወረቀት ጥራይ ይሃልካ ከምኡ ውን ኣድላይ ዝኮነ ፍልጠት ቋንቋ ፈረንሳ፡፡ ከምኡ ውን ትምህርቲ ፈረንሳኛን ናይ ሞያን ናይ ስራሕ ማእከላት ክትወሃብ ትክእል ኢካ፡፡

ፖለቲካዊ ዑቅባ እንተዘይተዛሂቡካ እንታይ የጋጥም/ምጥራዝ?

ሕቶካ እንተድኣ ተነፂጉ፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ናብ CNDA (ሃገራዊ ናይ ሓተትቲ ዑቅባ ቤት ፍርዲ) ሕቶ ክተቅርብ ትክእል ኢኻ ፡፡እቲ ዝበለፀ ግና ቅድሚ እቲ ውሳነ ናይ ዕቁባ ምስማዕካ ቀልጢፍካ እቲ ናብ CNDA ተቅርቦ ሕቶ ኣዳሊካ ምፅናሕ እዩ፡፡ እዚ ፋይል እዚ ድማ ሓደሽቲ ጭብጥታት ዝሓዘ ክከውን ኣለዎ፡፡ እቲ ጉዳይካ ናይ ሓዳር እዋን/ኣብ ሓዳር ግዜ ዝዛዘም እንተኮይኑ ግን እቲ ናብ (ሃገራዊ ናይ ሓተትቲ ዑቅባ ቤት ፍርዲ) CNDA እቲ ሓደ ሕቶ ካብ ምጥራዝ ኣየድሕንን  እዩ፡፡

ናይ ዑቅባ ሕቶካ እንተተነፂጉ ንፈረንሳ ክትለቃ/ክትወፅእ ከምዘለካ ትሕበር ኢካ፡፡ እንደገና ናይ ዑቅባ ሓተታ ናብ OFPRA ከተመልክት ትክእል ኢካ፡፡ ግን ሓድሽ ዝኮነ ጭብጢታት ኣብቲ ናይ ፈለማ ዘይተጠቀምካሉ ክትገብር ኣለካ፣ ምክንያቱ ሓንሳብ ዝተነፀገ ፅሑፍ ምሊሶም ብምድጋም ኣይሪእይዎን። ነዚ ንክትገብር ሸሞንተ (8) መዓልታት ጥራይ እዩ ዘለካ፡፡

ናይ ዑቅባ መመልከቻ ናብ ኤምባስታት ናይ ካልኦት ሃገራት ክተቅርብ ውን ውድኢታዊ እዩ ጉዳይካ ማዕረ ክንደይ ኣገዳስን ቆላሕታ ከምዝደልዮን ንምግላፅ፡፡ እዚ ድማ ኣወንታዊ/ድብቅ ውፅኢት ኣብ ፈረንሳ ይኩን ኣብ ድሒርካ ትከዳ ሃገር ክህልዎ ይክእል እዩ፡፡

ከምኡ ውን ብካልእ ምክንያት፣ ከም ጥዕናን፣ ስራሕን፣ ናይ መንበሪ ፈቃድ ንክትፍትን የክእለካ፡፡ ከም ውዕል ናይ ደብሊን፣ ፈረንሳ ናትካ ኣሰር ኣፃብዕ/ዓሸራ እንተወሲዳ፣ ኣብዚ ውሽጢ ዓሰርተ (10) ዓመት ዝኮነ ዑቅባ ኣብ ኤውሮፓ ኣይትረክብን (እንተ ካብዘን ናፃ ምንቅስቃስካ ሃገር ናብ ሃገር ዘፍቅዳ ሃገራትን ሰለስተ (3) ወርሒ ዘይወዲካ)

ናይ ዑቅባ ሕቶካ እንተድኣ ተነፂጉ ብዘይ ርጉእ ኩነታት ኣነ ኣብ ፈረንሳ ትፀንሕ ናብ ዓድካ ይኩን ካልእ ቦታ ውን ክትጥረዝ ትክእል ወይ ውን ናይ ዝጥረዙ ሰባት መፅንሒ ቦታ ወይ ውን ኣብ ትሕቲ ናይ ገዛ መሓፁር ትፀንሕ፡፡

ናበይ እዮም ክጥርዙኒ ዝክእሉ/ዝፍትኑ?

ሰለስተ (3) ተክእሎታት ኣሎ፡፡

ብመሰረት ናይ ሰብሊን ሳልሳይ ውዕል፣ ናብ ካልእ ማሕበር ኤውሮፓ ዝኮነት ሃገር ትጥረዝ፤

ዑቅባ ዝተነፀገ ሰብ ናብ መብቆል ሃገሩ ክጥረዝ ተክእሎ ኣሎ፤

ኣብ ገለ እዋን ድማ ኣብ ሃገርካ ዘሎ ኩነታት ህዱእ ምስ ዘይከውን (ኩናት፣ ግጭት…ወዘተ) ኣብ ሰንፈላት ዝኮነ ኩነታት ትነብር፡፡

ማዕረ ክንደይ ቀሊል ይከውን/ይመስል ብዘይ ወረቐት ክትነብር/ ክትቅመጥ?

ኣብ ዓቢይ ከተማ ትነብር እንተድኣ ኣለካ ካብ ፓስ PASS ዝኮነ ሕክምናዊ ግልጋሎት ብነፃ ክትረክብ ትክእል ኢካ ። ናይ ነፍሰፆራትን ከምኡ ውን ምስዳድ ዘይተደለየ ጥንስን ብነፃ እዩ ኣብ ፈረንሳ፡፡ ኣብ ገለ ከተማታት ድማ ንስደተኛታት ሓገዝ ዝህብ ጉጅለታት ኣለው፤ ነብስካ ከመይ ገይርካ ከምቲ ማሕድር/ትሕግዝ ይሕጉዝካ ዝኮነ ሓዝዝ እንተድኣ ረኪብካ ወግዓዊ ነባሪ ንክትከውን ይሕግዘካ እዩ፡፡ ክሳብ ሕጂ ሕጊ ፈረንሳ ከም ዝገልጾ ድሕር ሓሙሽተ (5) ዓመት ኢካ ወግዓዊ/ሕጋዊ ነበረ ትከውን፡፡ ነዊሕ እዋን ከምዝፀናሕካ ኣብ ፈረንሳ መረጋገፂ ይህልወካ፣ ንዝደለካዎ ግዜ ውን ክትሰርሕ ትክእል ከም ዜጋ ናይ ፈረንሳ ደቅካ ውን ናብ ትምህርቲ ከይዶም ክመሃሩ ይክእሉ፡፡

ክትምርዖ ትክእል፣ ናይ ህፁፅ መፅለሊ፣ ብፍላይ ናይ ሓደጋ ግዜ ክትረክብ ትኽእል፣ ባንክ ክትጥቀም ትክእል ወዘተ…

ምስዞም ዝስዕቡ ውድባት ውን ርክብ ክህልወካ ኣለዎ…

ውድብ ኣንደር ምጥራዝ ዝነጥፉ ምናልባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክትኣቱ ስለትክእል

ሕጋዊ ዝኮነ ሓበሬታ ዝህብ ከምኡ ውን ንስደተኛታት ዝሕግዝ ውድብ ንኣብነት ከም በዓል ክላማደ፥ ላክማደ (climade, lacimade) ዝኣመሰሉ ውድባት

ፌደራላዊ ማበርን ሕብረትን ምስ ስደተኛታት

ንስደተኛታት ዝድግፍ ጉጅለታት

ሚኒስትሪ ናይ ዘይምዝጉባት ስደተኛታት ናይ ልምዳውያን/ሕጋውያን ነባሮ ክኮኑ ዝድግፍ

ናብ ኣውሮፓ እንዃዕ ብድሓን መፃእኩም /ብሰላም እንኻን መደብ ዝብል ጉጅለ

ትምህርቲ ብዘይ ዶባት/ትምህርቲ ንኩሉ ዝብል ሰብ ክመሃር ዝሕግዝ ውድብ …ወዘተ ምስዞም ውድባት እዚኣቶም ዝኮነ ርክባት ክህልወካ ተመራፂ እዩ፡፡

ተወሳኪ ሓበሬታ ንደቂ ኣንስትዮ ሓተትቲ ዑቅባ ኣብ ፈረንሳ

ደቂ ኣንስትዮ ኮይነት ኣብ ፈረንሳ ይኩን ካልእ ሃገር ናይ ኤውሮፓ ዑቅባ ክሓታ እንተድኣ ወሲነን ክህልወን ዝግብኦ ሓበሬታ፣ ንዝተወድዓ/ዝተበደላ ደቂ ኣንስትዮ ዑቅባ ዝቅበል ናይ አውሮፓ ሕጊ ኣሎ፣ ግን ኩሉ ግዜ ኣይኮነን ሓገዝ ዝህብ ወይ ውን ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ዝሰምዕ፡፡ ኣተኩሩ ዝሰምዓሉ ዛዕባታት ነዞም ዝስዕብ የጠቃልል፣ ዘቤታዊ ዓመድ/በደል ዘጋጠማ እሞ ጉዳይ ድማ ኣብ ፖሊስ ይኩን ቤት ፍርዲ ዘይኣብፀሓት ጓል ኣንስተይቲ፣ ዝተኮንሸበት ጓል ኣንስተይቲ (ኣብ ኤውሮፓ ምክንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ከም በደል ስለዝሕሰብ) ዓደይ ዓመድ ዝኮነት፣ ብዘይ ድሌታ ዝተመርዓወት፣ ብዘይ ድሌታ/ብድፍኢት ኣብ ስራሕ ምንዝርና ዝተዋፈረት

ንዝተከንሸበት

ኣብ ሊላ ዝተባህለ ከተማ፣ ንዝተከንሸባ ደቂ ኣንስትዮ ማሕበራዊ ክንክንን ጥዕናዊ ኣገልግሎት ንዝህብ ትካል ኣሎ፡፡ ኣብ ሕክምና ወረቐት ምስክር ናይ ሕጋዊ መረጋገፂ ይወሃበካ ዑቅባ ክትሓተሉ፡፡

ሆስፒታል ቅዱስ ቢንሰን ባወል ዝበሃል ትካል ስልኪ 0320874848

ጋምስ ኖርድ (Games Nord) ዝተባህለ ጉጅለ ስልኪ 0687716764 …ወዘተ

ኔዘር ላንድስ/Netherland/

ዝዝረቦ ቋንቋ- ወግዓዊ ቋንቋ ደች፣ እንግሊሽ፣ ከምኡ ውን ምዕራብ ፈሪሳ ይበሃሉ፡፡ ካብ ካልያ (ሰሜናዊ ክፋል ፈረንሳ ተርከብ ወደባዊት ከተማ) ናብ ዶብ ሆላንድ 140 ኪሎ ሜትር ይበፅሕ፡፡ ናብ ሮተርዳም 290 ኪ.ሜ፣ ናብ ዋና ከተማ ኣምስተርዳም ድማ 360 ኪ.ሜ ይበጽሕ፡፡ ባቡር ካብ ከላይስ ናብ ሆላንድ ብመንገዲ ቤልጄም ኣቢላ እያ ትጓዓዝ፡፡

መስርሕ ሕቶ ዑቅባ ብከመይ ይሰርሕ?

ኣብ ዝኣተካሉ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ናብ መደብር ፖሊስ ከይድካ ክተመልክት ኣለካ ብመሬት እንተድኣ ኣቲካ ናብ ማእከል መቀበሊ ንቁጣታት ምዝገባ ዝካየደሉ ቦታ ከይድካ ከተመልክት ኣለካ፡፡ IND (ኢመግሬሽንን ተቀባልነት ኣገልግሎት ዝህብ ትካል/ቢሮ እዩ ንደለይቲ ዑቅባ ዝምዝግብ ቢሮ ንመዳእተኛታት ውን ናትካ ውልቃዊ ደብዳብ/ሓበሬታ ይወስድ፡፡ ኣብ እግር መዕረፊ ውን ከምዚ ኣሎ እንተድኣ ብነፋሪት ኣቲካ፣ ንስካ ግን ምስ ሓለፍቲ ፖሊስ እዩ ጉዳይካ ኣብ መቆፃፀሪ ማእከላት ዝዛዘም፡፡

ኣብቲ ዑቅባ ዝሓተትካሉ መዓልቲ (IND) ቃለ ምልልስ ምሳካ የካይድ እንታይነትካ ዜግነትካ፣ ካብ መበቆል ሃገርካ ከመይ ገይርካ ኣብ ሆላንድ ከምዝበፃሕካ ንምፍላጥ፡፡ ናይ ሕጊ በዓል ሞያ ይምደበልካ ኣብ ፈለማ መዓልቲ ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ዑቅባ ምሕታትካ ምክንያት ሓተታ ይካየደልካ ካብ ቋንቋካ ናብ ናይ ሆላንድ ዝትርጉም ዝክእል ሰብ ኣሎ ዝምደበልካ ዝኮነ ሓታቲ ዑቅባ ዝኮነ ሕጋዊ ሓገዝ ክረክብ ይክእል እዩ፡፡

ሕቶ ምሕንድንታ/ይግባይ ኣብ ዝተናወሓ ግዜ ርጉድነት የብሉን ይግባይ ኣብ ትብለሉ ግዜ ናብ ኣይትጥረብን ኣካምሕንድንታ/ይግባይ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ሰሙን ድሕሪ ዑቅባ ምንዳግካ ክተቅርብ ኣለካ፡፡ ድሕሪ ሓደርይኩን ዝተናውሓ ናይ ሃገራዊ ቤት ፍርዲ ውሳነ ናብ ቆንስል ሃገር ይግባይ ክትብል ትክእል ኢካ፣ እዚ ሕቶ/ምሕንድንታ ግን ውዱቅ ኣይከውንን እዩ፡፡

IND ካብ ዜጋታት ሶርያ ካብ ጥቅምቲ 2013 ጀሚሩ ሕቶ ይቅበል ኣሎ ክሳብ መዓስ እዩ ክእድል ግን ኣይፍለጥን እዩ፡፡

ን ኽንደይ ዝከውን ግዜ ይውሰድ?

ካብ ሸሞንተ መዓልትታት ናይ ዝሓደረ መስርሕ ምድራይ ክሳብ ሽዱሽተ ወርሒ ይወስድ ምስ ሕቶ ይግባይ ብጠቅላላ ነቲ ናይ ፈለማ ቃለ መሕተት ካብ ሰሙናት ክሳብ ገለ ኣዋርሕ ክትጽበ ትክእል ኢካ፡፡ ዘለካ ጉዳይ               ከእምኖም ዘይክእል እንተድኣ ኮይኑ ኣብ ውሽጢ 8 መዓልትታት ክትውስን ኣለካ፡፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ሰሙን ነቲ ማዕቀቢ ክትገድፍ ስለትክእል፡፡ እዚ ኣብ ቤት ፍርዲ ክተቅርቦ ትክእል ኢካ፣ እንተድኣ ተፃዊትካ መስርሕ ሕቶካ ይናዋሕ፣ ንዝተናወሐ ግዜ ክትቅመጥ ውን መሰል ይህልወካ ጉዳይካ ኣብይ ቆላሕታ እንተድኣ ሃልይዎ ውሳነካ ንግዜ ንገለ ኣዋርሕ ይድንጉይ፡፡

ነቲ ዝውሰን ውሳነ እንዳተዳበኩ ክቅመጥ/ክነብር ዶ ይክእል? ወፃኢታተይ ዝሽፍነለይ ሓገዝ ከ ይረክብ ዶ ይኽእል?

መንበሪ ዝወሃበካ ገዛ ኣሎ። ከምኡ ውን ንምግቢ፣ ክዳውንቲ፣ ንመጎዓዝያ፣ ንመዘናግዒታት፣ ንትምህርታዊ ንጥፈታትን ካልእ ንውልቃዊ መፃኢታትን ዝከውን ሰሙናዊ መሃያ/መቁነን ትወሃብ ኢካ፡፡ ናይ ነባርነት ፍቃድ ዝርከብ ሓተትቲ ዑቅባ ክሳብ COA ዝተባህለ ትካል መንበሪ ገዛ ዝረክበሎም ንግዚኡ ኣብ መቀበሊ ኣጋይሽ/መዕረፊ ኣጋይሽ እዮም ዝፀንሑ፡፡ ኣብዚ መቀበሊ ኣጋይሽ ኣብ ሓንቲ ክፍሊ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ሸሞንተ ዝኮኑ ሰባት እዮም ዝቅመጡ፡፡ ልክዕ ከም ካልኦት ዜጋታት ናይ ሆላንድ፣ ሓተትቲ ዑቅባ ኣብ ሓኪም፣ ሆስፒታል፣ ወይ ውን ናብ መሕረሲ ደቂ ኣንስትዮ ብምባል ኣገልግሎት ክረክቡ ይክእሉ፡፡ ማእከል ጥዕና ንሓተትቲ ዑቅባ ዝተባህለ ኣካል እዩ ናይ መጀመርታ ጥዕናዊ ዛዕባታት ዝሰምዕ፡፡

ትሕቲ ዕድመ እንተድኣ ኮይነ ኸ?

ክዳውንቲ/ቆልዑ ዝሓዙ ስድራቤታት እንተበዝሓ ክሳብ 14 መዓልትታት ክደናጎዩ/ክፀንሑ ይክእሉ፡፡ ወለዲ ወይ ውን ቀረባ ቤተሰብ ዘይብሉ ቆልዓ ኣብ ንእስ ዝበለ ክፍሊ ብማሕበር መንእሰያት ዝተወደበ ይቅመጥ፡፡ እቲ ንቆልዑ ዝቅበል ጉጅለን ዒስራን ኣርባዕተን (24) ሰዓታት ኣገልግሎት እንዳሃበ ዓሰርተ ክልተ (12) ቆልዑ ተቀቢሉ ይከናከን፡፡ ዕድሚኦም ንትምህርቲ ዝኣከለ ቆልዑ/ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ትምህርቲ ክመሃሩ ግዴትኦም እዩ፡፡

ብዛዕባ ስድራ ቤተይከ?

ምርዕዋት ዝኮኑ መዳምድቲ ጥራይ እዮም ከም ስድራ ቤት ተቀባልነት ዝረክብ፡፡ ከምኡ ውን ኣብ መበቆል ዓድካ ዘይፍቀድ መርዓ ናይ ሓደ ዓይነት ፆታ ዘለዎም ክልተ ሰባት ማለት ጓል ምስ ጓል ወዲ ምስ ወዲ፡፡ ትሕቲ 18ዓመት ዕድሚኡ ግና ክዓቢ ወይ ድማ 18 ክመልእ ኣለዎ፡፡

ክሰርሕን ክመሃርን ከ ይክእል ዶ?

መንእሰያት ኣብ ምዱብ ይኩን ዓዕዳዊ ትምህርቲ ክሳተፍ/ክመሃሩ ይክእሉ ኣብቲ ናይ መስርሕ ዑቅባ ደረጃ በፂሕዎ ዘሎ ምርኩስ ብምግባር፡፡ ኣብ ናይ ፅሬት፣ ፅገና ዝኣምሰለ ስርሓት ክሳብ 13.80 ዩሮ ኣብ ሰሙን እንዳተቀበልካ ክትሰርሕ ትክእል ኢካ፡፡ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ድሕሪ ዑቅባ ምሕታትካ ስራሕ ንክትሰርሕ ፈቃድ ኣለካ፡፡ ከምኡ እውን ትምህርታዊ ሓገዝ ከም ላይብረሪ ዝረክብሉ ቦታ ኣለዎም፡፡ ሓተትቲ ዑቅባ/ስደተኛታት ኣብ ዓመት 24 ናይ ስራሕ ሰሙናት ጥራይ እዩ ዘለዎም፡፡ ቅድሚ ስራሕ ምጅማርካ እቶም ንምታትካ/ ንስራሕትካ ፈቃድ ስራሕ ወይ ውን ናይ ስራሕ ልቸንሳ እንተድኣ ሃልዩካ እዮም ዝጥይቀካ፡፡

ከም ሓታቲ ዑቅባ ተቀባልነት እንተረኺበ ኽ?

ከም ሓታቲ ዑቅባ ተቀባልነት ናይ ነባርነት እንተድኣ ተፈቂዱልካ ከም ሆላንዳዊ ንክትከውን ወይ ውን ምስ ህዝቢ ናይቲ ሃገር ተወሃሂድካ ክትነብር ክትወስዲ ዝግበኣካ ስልጠና/ትምህርቲ ግድን ኣሎ፡፡ ዕድል ስራሕን ዕድል ትምህርትን ውን ይህልወካ፡፡ ድሕር እዚ ከም ሓድሽ ኣባል/ሰብ ዝተፈላለየ ሓገዛት ንሓተትቲ ዑቅባ ዝውሃብ ኩሉ ብ ውድብ ይወሃበካ፡፡

ን ናይ ዑቅባይ ሕቶ ተቀባልነት እንተድኣ ዘይረኪበ ከ?

ኣርባዕተ ሰሙን ድሕሪ እቲ ውሳነ ነቲ መቀበል ስደተኛታት ዝኮነ ማእከላት ክትገድፎ ትግደድ፡፡

እንተድኣ ተታሒዘ/ተኣሲረከ?

ድሕሪ ምእሳርካ ዘለካ/ክትገብሮ ትክእል መሰልካ ትሕበር ኢካ ግን ብፅሑፍ ዝተዘርበ መሰል ኣይኮነን ዝገልፁልካ ወይ ውን ዘርእዩካ፡፡ ቃልካ ከተስምዕን በዓል ሕጊ/ጠበቃ ክህልወካን ግን መሰል ኣለካ ኣዝማድካ ውን በቲ ናይ ሕጊ ክኢላ/ፈላጥ ኣቢልካ ኢካ ከም ዝተኣሰርካ ትሕብሮም፡፡

ናይ መፃረይ/መመርመሪ መሳርሕን ከምኡ ውን መሰላት

ኣብ ሆላንድ ህዝቢ ኣብ መስርሕ ሕቶ ዑቅብ ደንጓይይ እዩ፡፡ እዚ ድማ ክሳብ 18ኣዋርሕ ይቅፅል፣ ሓደ ሓደ እዋን ኣብ ልሙዳት ዝኮኑ ቤት ማእሰርቲ ይሕልፎ፡፡ ናይ ጥዕና ክንክን ውን ይግበረሎም እዩ፡፡

ኣባላት ፖሊስ ኣብ ልዕሌካ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ይነብር ኣሎ ዝብል እምነት እንተድ ሃልይዎም መንቀሳቀሲ ወረቐትካ ቸክ/ፈትሶም ከረጋግፁ ዝኮነ መሰል ኣለዎም፡፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሰብ ኣብ ዝዛወረሎም ናይ ትራፊክ ምቁፅፃር ኣብ ዝግበረሎምን ከምኡ ውን ኣብያተ ምግቢ ኣብ ዝፍተሽሉ ግዜ መንቐሳቀሲ/መታወቅያ ይሓትቱ እዮም፡፡

ኣብ ፅሊም ዕዳጋ /black market/ ትሰርሕ እንተድኣ ኮይንካ ዝኮነ ናይ ስራሕ መድሕን ወይ ውን መሰል የብልካን። ዝኮነ ሓደጋ እንተድኣ ኣጋጢሙካ/ሕማም ገንዘብካ ግን ኣብ ግዚኡ ይክፈለካ፡፡ ኣብ ከምዚ ማሕበር ስራሕተኛታት ሓገዝ ክሕግዘካ ይክእል እዩ፡፡

ዑቅባ እንድሕር ተዋሂብኒ ከ?

ዘቅረብካዮ ሕቶ ተቀባልነት እንተድኣ ረኪበ ቋንቋ ሽወድን ንክትመሃር ብቁዕ ትከውን፡፡ ፈቃድ መንበሪ ተታሂብካ ብሓገዝ ኣገልግሎት ህዝባዊ ዕዮ ተሓጊዝካ ገዛ ክትረክብ ትክእል፡፡

ብተውሃብካዮ ናይ ነባርነት ፈቃድ ኣብ ስራሕ ወይ ናይ ዕዮ ዝተሞርኮሰ እንተድኣ ኮይኑ ናይ ገዛእ ርእስካ ገዛ ባዕልካ ክትውንን/ትሰርሕ ወይ ክትገዝእ ኣለካ፡፡ መንበሪ ዝኮነካ ቦታ እንተድኣ ረኪብካ ነቲ ዘድልየካ ዝኮነ ነገራት ባዕልካ ክትገዝእ ክትክእል ኣለካ እንተድኣ ዘይኮኑ ዓቅሚ ዘይብልካ ክትገዝእ ናብቲ ስደተኛታት ዝዕቆብሉ ስፍራ/መዓስከር ክትከይድ እዩ ዘለካ፡፡

ናይ ዑቅባ ተቀባልነት እንተድኣ ዘይተዋሂቡኒ ከ? ይጥሩዝኒ?

ተቀባልነት እንተዘይረከብካ፣ ብገዛእ ፈቃድካ ካብታ ሃገር ክትውድእ እንተድኣ ደሊካ ቦርድ ናይ ኤሚግሬሽን ምሳካ ትራከብ ብዛዕባ ካብታ ሃገር ኣወዳድኣካ ክመያየጥ መደብ ይገብር፡፡ ክውድኡካ ካብታ ሃገር ይፈቱ/ይኮኑ ግን እንተውሓደ ክሳብ ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ክትውድእ ከም ዘለካ ዝሕብር ትእዛዝ ዝመፀካ ክውዱኡካ ኣይክእሉን እዮም፡፡ ክትተሓባበሮም ወይ ውን ክትስማምዖም እንድሕር ዘይክኢልካ ናብ ፖሊስ ክሕብሩልካ ይክእሉ እዮም፡፡

ቅድሚ ምንፃግካ ናይ ስራሕ ፈቃድ ተዋሂብካ እንተድኣ ነይሩ ድሕሪ ሕቶ ዑቀባ ምስዘቅርብ ከም ምንፃጉ ኣብ ስራሕ ክትቅፅል ኣይትክእልን ኢካ፡፡ ትሑት ዝኮነ ስራሕ ትሰርሕን ከምኡ ውን ቀረፅ ትከፍል እንተድኣ ነይርካ ድሕሪ ምንፃግካ ውን ከምኡ ክትቅፅል ትክእል እኳ እንተድኣ እቲ ዘስርሓካ ሰብ ምንፃግ ዘየገድሶ ኮይኑ፡፡ ቀረፅ ዝከፍሉ ሰባት ብዛዕባ ሰራሕተኛታት ውልቀ ሰባት ናብ ፖሊስ ሓበሬታ ኣይመሓላለፍን እዮም፡፡ ሓደ ሓደ እዋን ግን እቶም ናይ ቀረፅ ዝከፍሉ ሓላፍትን ፖሊስን ስራሕን ሕጋዊ ናይ ስራሕ ፍቃድን ንከረጋግፁ/ቸክ ብሓደ ኮይኖም ዘወርወር ይብሉ እዮም፡፡

መስርሕ ምስራይን (መርመራ) ከምኡ ውን ዘሎ መሰላትን

መንነትካ ንከፃርዩ ኣብቲ ዓዲ ክትፀንሕ ፍቃድ ክወሃበካ ኣለዎ ዶ ወይን ካብቲ ሃገር ክትጥረዝ ኣለካ ንክውስኑ/ጉዳይካ ንክርእዩ ብዘይ ብዙሕ ኢካ ትፅበ ወይ ውን ትድንጉይ፡፡ ክሕባእ ይክእል እዩ እምነት እንተድኣ ሃልይዎም ቅድሚ ምጥራዝካ ኢካ ክትምርመር ዘለካ፡፡ መንነትካ ንምፅራይ ዝግበረልካ መርመራታት ካብ 48 ሰዓታት ዝሓልፍ ኣይኮነን፣ ንዝተረፈ ካልእ ምክንያታት ግን መርመራ ካብ 2 ሰሙን ክሳብ 2 ወርሒ ይወስድ፡፡

እንተድኣ ተታሒዘ ከ?

ብኣባላት ፖሊስ መርመራ/ምፅራይ ድሕር ምግባርካ ብመልክዕ ፅሑፍ ዘለካ መሰላት ይንገረካ፣ ቋንቋ ሽወደን ዘይትመልክ እንተድኣ ኮይንካ ናብቲ ንስካ ትዛረቦ ቋንቋ ይትርጎመልካ፡፡ ናይ ሕጊ በዓል ሞያ ከም ጠበቃ ዝኣምሰለን ናብ ቋንቋካ ዝትርጉም ሰብን ክህልወካ ይክእል እዩ፡፡ ንስድራቤትካ ውን ክትሕብር ትክእል ኢካ፡፡

ብዘይ ሕጋዊ ፍቃድ መንበሪ ንክነብር ተክእሎ ይህሉ ዶ?

ስደተኛታት ሕጋዊ ሓገዝ ሕክምናዊ ክንክን ይረክብ፣ ሕክምናዊ ክንክን ንዝኮነ ሰብ ኣፈላላይ ኣይገብርን፣ ገለገለ ሕክምናታት ግን ነዚ ፈላልየን ይርደእኦ፡፡

ሰራሕተኛታት ሕክምና ንዓካ ክሕክሙ ይክእሉ ብዛዕባካ ዝኮነ ሓበሬታ ንዝኮነ ሓላፊ ከይነገሩ ሳሕቲ ኣባላት ፖሊስ ይከታተሉካ እንተድኣ ሃልዮም ወይ ውን ኣብ ሆስፒታል/ሕክምና ከይዶም ምስ ዝሓቱልካ ጥራይ፡፡

ኣብ ሽውድን፣ ነፍሲ ወከፍ ቤት ትምህርቲ፣ ዜጋታት ወዳኢ/ስደተኛታት ክመሃሩ ኣለዎም ዶ ወላ የብለሙን ዝብል፣ ናይ ገዛእ ርእስን ውሳነ ወይ ምርጫ ኣለወን፡፡ ከም ዘይሕጋዊ ስደተኛ መሰል ናይ ትምህርቲ የብልካን፡፡ ምናልባት ግን ኣብ ናይ ገለ ሰባት ቤት ትምህርቲ ክትመሃር ትክእል ትከውን ኢካ፡፡

መን ክሕግዘኒ ይክእል

ወላ ሓደ ዘይሕጋዊ የለን) ዝበሃል ውድብ (No one is illegal)

ኢሜይል- Uppsala@ingenillegal.org

ቴሌ- 073 9596150

ስቶኮልም (Stockholm)

ኢሜይል- Stockholm@ingenillegal.org

ቴሌ- 0707-336107

ኦስተራንድ (Ostersund)

ኢሜይል – ostersund@ingenillegal.org

ቴሌ- 0704377524

ኖርቦተን (Norrboten)

ኢሜይል – norrbotten@ingenillegal.org

ሕክምናዊ ማእከላት ንዘይሕጋውያንን ዘይምዝጉባትን ስደተኛታት ብነፃ ጥዕናዊ ክንክን ዝህብ

Lakara: Varlden Stockholm

ቴሌ:: 086646687Srenska Rodo Korset (Stockholm)

(ቀይሕ መስቀል ናይ ሽውድን)

ቴሌ: 0709 406723

ስራሕ ሰዓት: 9:30-11:30

www.redcross.se

Rosengrenska Stiffelsen (Coteborg)

(ጥዐናዊ ክንክን ዝነበረ ማእከል)

ጀርመን

ኣብ ጀርመን ህዝቢ ዝዛረቦ ቋንቋ እንታይ እዩ?

ጀርመን ዝበሃል ቋንቋ ናይ ጀርመናውያን እዩ፡፡ እንግሊሽ ድማ መብዛሕትኡን ዓበይቲ ከተማታት ይዝውተር እዩ፡፡

ካብ ከተማ ካልያ (ወደባዊት ከተማ ናይ ፈረንሳ) ናብ ጀርመን ክንደይ ዝከውን ርሕቀት ኣሎ?

ዶብ ጀርመን ካብ ከተማ ካሌስ 340 ኪ.ሜ ንሸነክ ምብራቅ ይርከብ፡፡ ከተማ ኮልን 460 ኪ.ሜ ከተማ ሃምበርግ 770 ኪ.ሜ፣ ከተማ ፍራንክፈርት 600 ኪ.ሜ ከምኡ ውን ዋና ከተማ ቨርሊን 950 ኪ.ሜ ካብ ከተማ ካሌስ ርሒቀን ይርከባ፡፡ ዶብ ጀርመን ካብ ፈረንሳ ንሸነክ ምብራቅ ይርከብ፡፡ ከም ተወሳኪ ውን ናይ ባቡር መጓዓዝያ ኣሎ፣ ካብ ፈረንሳ ተበጊሱ ብቤልጀም፣ ሆላንድ ኣቢሉ ናብ ጀርመን ዝዝርጋሕ፡፡

መስርሕ ሕቶ ዑቅባ ብከመይ ይሰርሕ?

ብዝርዝር ፅሒፍካ ዘቅረብካዮ ሕቶ ዑቅባካ ናብ ዝኮነ ናይ ስደተኛታትን ተፈናቀልትን ፌደራላዊ ቤት ፅሕፈት፣ ዝኣምሰሉ እንተድኣ ኣቅሪብካ ናብ BAMF (ፌደራላዊ ናይ ስደተኛታትን ተፈናቀልትን ቤት ፅሕፈት) ኢካ ትላኣክ፡፡ እዞም ትከዶም ቢሮታት/ቤት ፅሕፈታት ፍሕሹው ገፅ/ወይ ውን ምትሕብባራት ዝረኣየሎም ቦታታት ስለዘይኮኑ፣ ምስ ካልእ ሰብ ኮይንካ እንተከድካ ፅቡቅ እዩ፡፡

ካብ ፌደራላዊ ቤት ፅሕፈት ምስ ከድካ ዕሙቅ ዝበለ ውልቃዊ ሕቶታት ክትሕተት ኢካ ከምኡ ውን ናትካ ስእሊ ነቲ ናይ ደብሊን ውዕል ዝከውን ይወስዱልካ፡፡ ክሳብ 25 ዝከውን ሕቶታት ክትሕተት ትክእል ኢካ ንኣብነት ብመይ መንገዲ ጀርመን ኣቲካ፣ ናይ መጠረሽታ ዝነበርካሉ ቦታ ኣበይ እዩ፤ ዝኣምሰሉ ሕቶታት፡፡ እቲ ዝመለስካዮ መልሲ ይምላእ/ይቅዳሕ እዩ ነቲ ኣብ ካልኣይ ግዜ ትገብሮ ስፍሕ ዝበለ ቀንዲ ቃለ መሕትት ሓጋዚ ይከውን፡፡

ከም ሕጊ ነቲ እትገብሮ ክልተ ቃለ ምልልስ ናብቲ ናትካ ቋንቋ ዝትርጉም ሰብ ኣለካ፡፡ እቲ ዝሃብካዮ መልሲ ዝርአ ወይ ውን ዝውሰድ ንስካ መልስካ ቅኑዕ ምካ ምስ ኣረጋገፅካ እዩ፡፡ ናፃ ዝኮነ ሕጋዊ ሓገዛት ክትረክብ ግና ኣፀጋሚ እዩ፡፡

ክሳብ ክንደይ ዝከውን ግዜ ይወስድ? እዚ መስርሕ እዚ ካብ 6-12 ኣዋርሕ ይወስድ፡፡

ዝወሃበኒ ውሳነ እንዳተፀበኩ ከመይ ገይረ ክነብር ይክእል? ዝወሃበኒ ሓገዝ ከ ኣሎ ድዩ?

ድሩት ዝኮነ ናይ መንበሪ ዝወሃበካ ፈቃድ ኣሎ፡፡ ከም ስርዓት/መስርሕ ምዝርጋሕ/ምክፍፋል ስደተኛታት ኣብ ሙሉእ ጀርመን ዝበሃል ኣሎ፡፡ ስለዚ ስደተኛታት ኣበብ ብዙሕ ክፋላት እታ ሃገር እዮም ፋሕ ዝብሉ፡፡ እቲ ዝወሃበካ መዕረፊ ምስ ብዙሓት ሰባት ብሓባር እዩ ኩነታት ንስደተኛታት ዝወሃብ ገዛውቲ ውን ዝተፈላለየ እዩ፡፡ ገለ ኣብ ከተማታት ገለ ውን ኣብ ገጠራት እዮም ዝምደብ፡፡ እቲ ዝወሃበካ ስፍራ ወይ ቦታ ብናትካ ምርጫ ኣይኮኑን ከምኡ ውን ኣብ ፈለማ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝተደረተ ምንቅስቃስ እዩ ዝህልወካ፡፡ ዝወሃበካ ገለ ገንዘብ ውን ኣሎ፡፡

ትሕቲ ዕድመ ምስ ዝከውን ከ?

ምስ ከማካ ዝበሉ ትሕቲ 18 ዝዕድሚኦም ዝወሃበካ ቦታ ኣሎ፡፡ ማበራውያን ሰራተኛታት፣ መደቀሲ፣ ምግቢ ከምኡ ውን ገንዘብ ይወሃበካ እዩ፡፡ ከም ትምህርቲ ወይ ውን ናይ ስራሕ ስልጠናታት ክትወሃብ ትክእል ኢካ፡፡ እንተ ስድራ ቤትካ ግን ናባካ መፂኦም ምሳካ ክሕወሱ ኣይከኣልን እዩ፡፡ 18 ዓመት ኣብ ዝመላእካሉ እዋን ናብ ዓድካ ክትፋኖ ተክእሎታት ኣሎ፡፡

ስድራቤተይ ከ?

ከምቲ ንዓካ/ትሕቲ ዕድመ ንስድራቤትካ ውን ናይ መንበሪ ፈቃድ ይወሃቦም እዩ፡፡ እቶም ናብ ስድርኦም ዝተጠርነፉ ስራሕ ሰሪሖም ክኣትው ውን መሰል ኣለዎም፡፡

ማዕረ ክንደይ ቀሊል ይከውን ብዘይ መንበሪ ፈቃድ ክትነብር?

ኣዝዮም ብዙሓት ስደተኛታት እዮም ፈቀዶ ጎደናታት ዝነበሩ/ዝቅመጡ፡፡ ኣዝዮም ውሑዳት ጥራይ እዮም ብዘይ ዝኮነ ይኩን ሓገዝ ናይ ዘይመንግስታውያን ትካላት (NGO) ድሓን ዝኮነ መነባብሮ ዘሕልፉ፡፡ መብዛሕትኡ እዋን ስደተኛታት ኣብ ክከፍልዎ ዘይክእሉ ዕዳ ይኣትው ወይ ይልቅሑ፡፡ ናይቶም ዘይምዝጉባት ስደተኛታት ናይ ሕክምና መፃኢታቶም ብመንግስቲ ዝውድእ ናይ ጥዕና ወፃኢታት ይሽፈን፡፡ ስራሕ ውን ከም ተሓዛይ ቆልዓ፣ ሰራሕተኛ ህንፃታት ቤተ ምግብታትን ከምኡ ውን ናይ ሕርሻ ዝኣምሰሉ ይርከቡ እዮም፡፡ ሓደ ሓደ እዋን ውን ተቆፃፀርቲ ናይ ዕዮ/ስራሕ ትካላት ዝኮኑ ዘይሕጋውያን ሰራሕተኛታት ከይህልውወን ምቁፅፃር የካይዱ እዮም፡፡ እቶም ሕጋውያን ዝኮነ ሸቃሎ ካብ 4,000 ክሳብ 8,000 ኢሮ ንሓደ ሰብ ይረክብ፣ እንተ እቶም ዘይሕጋውያን ግን ምንም ዝረክብዎ የብሎምን እኳ ድኣ እንተተረኪቦም ይቕየዱን ኣብ መፃረይ/መመርመሪ ማእከላትን ይፀንሑ፡፡

ትሰርሕ እንተድኣ ኮይንካ ኣበ ትሕቲ ናይ ሰራሕተኛታት ሕጊ ወግዓዊ ዝኮነ መሰል ይህልወካ፡፡ እቶም ኣስራሕቲ ድማ ነቲ ዘለካዮ ኣሰካፊ/ሕማቅ ኩነታትካ ተጠቂሞም ኣብ ትሕቲ ሕማቅ ዝኮነ ኩነታት ወይ ውን ንስካ ዘይትደልዮ ዓይነት ስራ፣ ከም ምንዝርና ዝኣመሰለ ከስርሑካ ይፅዕሩ፡፡ ተገዲድካ ትሰርሕ እንተድኣ ሃሊካ ነቲ ዘስርሓካ ዘሎ ሰብ ናበብ ፖሊስ ክትሕብረሉ ትክእል እዩ ምናልባት መሰል 89 ዝፍለጥ ሕጊ ናይ ግዳያት ዓመፅ/ዝውውር ሰብ ክትረክብ ትክእል ኢካ፡፡

መን ክሕግዘካ ይክእል?

ነፃ ዝኮነ ሕጋዊ ረድኤት ዝህብ

ዳች-ቆንስል ናይ ስደተኛታት

ነፃ ሕክምናዊ ክንክን

ጥዕናዊ ክንክን ንገዛ ዘይብሎምን ዘይምዝጉባት ስደተኛታትን ዝሕግዝ ትካል (Kruis post)

ቴሌ: 0206249031

]ፋክስ: 020 428 83 30

World house- ምስ ሓኪም/ዶክተር ቆፀራ ንክህልወካ No medical heatment it self

ቴሌ: 0622821472

ንዘይምዝጉባት ሰራሕተኛታት

ቴሌ: 0107470156

መሰረት ንስደተኛታት ተምሃሮ ኣብ ዩኒቨርስቲ ናይ ሆላንድ ንክመሃሩ ይሕግዝ

ንትሕቲ 18 ዓመት ኣገባብ ኣተሓታትታ ዑቑባይ ኣብ ዓዲ ዓባይ ብሪጣንያ ኩነታት ዑቑባይ ዝተሓላለኸ እዩ፡፡ እቲ ኣገባብ እንተድኣ ተረዲእኹምዎ ዝለዓለ ዕድል ክህልወኩም

ዴኒማርክ

እንታይ ዓይነት ቋንቋ እዩ ኣብኡ ዝዝረብ? ወግዓዊ ቋንቋ ዳንሽ ክከውን ከሎ ከምኡ ውን እንግሊሽ ብሰፊሑ ይገብረሉ እዩ፡፡

ካብ ከተማ ካሌስ (ፈረንሳ) ክንደይ ዝከውን ርሕቀት ኣለዎ?

ቶንደር እትበሃል ኣብ ዶብ እትርከብ ከተማ 900 ኪ.ሜ ካብ ካሌስ ርሒቃ ትርከብ ዋና ከተማ ኮፐንሃገን ድማ 1200 ኪ.ሜ ርሒቃ ትርከብ፡፡ ባቡር ድማ ብመንገዲ ቤልጀምን፣ ጀርመንን ኣቢላ ካብ ፈረንሳ ናብ ዴንማርክ ትጎዓዝ፡፡

መስርሕ ሕቶ ዑቅባ ከመይ ይሰርሕ?

ኣብ ዴኒማርክ ኣብ መደብር ፖሊስ ወይ ውን ሳንድሆልም ዝተባህለ ናይ መዕቆቢ ማእከል ኣብ ከባቢ ኣለሮድ መደብር ዝርከብ ከይድካ ኢካ ናይ ዑቅባ መመልከቻ ትቀርብ፡፡ ካብ ዴኒማርክ ወዳኢ ኮይንካ ክተመልክት ኣይትክእልን ኢካ፡፡ ዝኮነ ውልቀ ሰብ ክኣቱ እንከሎ እንተድኣ ዘይተነፂጉ፣ ይምዝገብ፣ ስእሊ ይውሰዶ፣ ዒስራ (ኣሸር ኣፃብዕ) ይውሰደሉ ብፖሊስ፡፡ ብድሕር እዚ ናብቲ ብናይ ዴኒማርክ ቀይሕ መስቀል ዝካየድ ሳንድሆልም መዕቆቢ/መቀበሊ ማእከል ትውሰድ፣ ካብዚ ድማ እቲ ናይ መመልከቻ መስርሕ ይጅመር፡፡ ብተወሳኪ ውን ናይ ሰብኣውነት መንበሪ ፈቃድ ኣሎ ካብቲ ዑቅባ ዝወሃበሉ ልሙድ ቦታ ክትውድእ እንተደሊካ ናብዚ ናይ ሰብኣዊነት ማሕበር ተመልክት ትክእል እንተድኣ ፅንኩር ብዝኮነ ወይ ውን ዝተፈልጠ ኣካላዊ ይኩን ኣእምሯዊ ሕማም የሳቅየካ ሃልዩ እሞ ኣብ ትውልዲ ሃገርካ ክትፍወስ እንተድኣ ዘይኪኢልካ፡፡

ንዝወሃበኒ ውሳነ እንዳተፀበኩ ብከመይ ክነብር ይክእል? ዝወሃበኒ ሓገዝ ከ ኣሎ ዶ?

ኣብ ዴኒማርክ እቲ ናይ መመልከቻ መስርሕ እንዳተካየደ እንከሎ ሓተትቲ ዑቅባ ኣብ ሓደ ቦታ ንክነብሩ እዮም ዝሕተቱ፡፡ ቆልዑ ሓተትቲ ዑቅባ ልክዕ ከም ቆልዑ ናይ ዴኒማርክ ማዕረ ዝኮነ ጥዕናዊ ክንክን እዩ ዝካየደሎም፡፡ ሕክምናዊ ውፅኢታት ናይቶም መንእሰያት/ኣባፅሕ ዝኮኑ ሓተትቲ ዑቅባ ብናይ ዴንማርክ ኤሚግሬሽን ኣገልግሎት እዩ ዝሽፈን፡፡ ካብ ክፍሊት ናፃ ዝኮነ ገዛ፣ ምግቢ (ኣብ ቤት ምግቢ ወይ ኣብ ገዛ)፣ ክዳውንቲ ትረክብ፡፡ ንዝተፈላለየ ወፃኢታት ዝከውን ከም ምግቢ፣ ክዳውንቲ፣ ንትምህርቲ፣ ጥዕና …ወዘተ ዝወሃበካ ገንዘብ ኣሎ፣ ብፍላይ ነቶም መንእሰያት፡፡ ተወሳኪ ሓገዛት ውን ንቆልዑ ይግበር እዩ፡፡

ዝወሃበካ ውሳነ ንክትፅበ ክሳብ ክንደይ ግዜ ይወስድ?

ካብ ሰለስተ ወርሒ ክሳብ ሓደ ዓመት ይወስድ፣ ኣብቲ ናትካ መመልከቻ/ ጉዳይ ከምኡ ውን በዝሒ ስደተኛታትን ዝተመርኮሰ እዩ፡፡

ክመሃርን ክሰርሕን ይክእል?

ዕድመካ ልዕሊ 18 እንተድኣ ኮይኑ ድሕሪ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዑቅባ እናሓተትካ ከለካ መሰል ክትሰርሕ መታን ክፈቅደልካ ናብ ዴኒማርክ ኤሚግሬሽን ኣገልግሎት ክተመልክት ትክእል ኢካ፡፡ ልዕሊ 18 ዥዕድሚኡ ሓታቲ ዑቅባ ብናይ ዑቅባ ዝህባ ማእከላት ዝተዳለወ ኮርሳት ግድን ክሳተፍ ኣለዎ፡፡ ገለ ኣማራፂታት ናይ ትምህርቲ ኣለው ብፍላይ ኣቀዲምካ ኢንግሊሽ ትዛረብ እንተኔርካ ዝኮነ ሰብ መሰረታዊ ዳኒሽ ወይ እንግሊሽ ትምህርቲ ዕድል ኣለዎ፡፡

ካብ ሸውዓተ ክሳብ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዝዕድሚኦም ቆልዑ ፍሉይ ዝኮነ ኮርሳት ይወሃቦም ቆልዑ ዳኒሽ፣ እንግሊን ካልእ            (ዓይነት ትምህርቲ) ናይ መባእታን፣ ታሕታዋይ ካልኣይ ደረጃን ኮርስታት ይውሰዱ፡፡

ትሕቲ ዕድመ ምስ ዝከውን ከ?

ትሕቲ 18 ዓመት ኮይንካ ብዘይ ስድራ ቤት እንተደኣ መፂካ፣ ናብ ሰራሕተኛ ናይ ኤሜግሬሽን ኣገልግሎት ዘይኮነ ሰብ ብውክልና ይወስደካ ምስኡ ክኣልየካ፡፡ ጉዳይካ/መመልከቻካውን ቀልጢፉ ይሰልጠልካ፣ ድሕሪ ኣብ ሓደ ፍሉይ ዝኮነ መዕቆቢ ትነብር፡፡

Working (ORKA) ውዱብ ንዘይምዝጉባት ስደተኛታት ሰራሕተኛታት

ቴሌ: +3222741431

ፋክስ: +3222741448

ኢማይል: info@orkosite.beorkasite.be

ቆንስል ስደተኛታት ቤልጀም-ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ዘሎ ግዜ ንሓተትቲ ዑቅባ ኣገልግሎት ይህብ ከምኡ ውን ሕቶ ስደተኛታት ይምልስ፡፡ ኣብዚ ብዝኮ ቤተሰብ ወይ ውን ኣብ መመርመሪ ዘሎ ሰብ ክትሕገዝ ትክእል ኢካ

ቴሌ: 02/537.82.20

ኢሜይል: info@cbar-bchr.becbar.bchr.b ብእንግሊዘኛ፣ ፈረንሳኛ ከምኡውን ደች ንስንኩላት ሓገዝ ዝህብ

ቴሌ: +32085213481

ፋክስ: +32085230147

State run

ቤት ጽሕፈት/ቢሮ ሓላፊ ሓፈሻዊ ስደተኛታትን ሃገር ኣልቦ ዝኮኑ ውልቀ ሰባትን

ክሰርሕን ክመሃርን ከ ይክእል ዶ?

ሽዱሽተ ወርሒ ድሕር ናይ ዑቅባ ሕቶካ ንስራሕ ኢልካ ውን ክተመልክት ትክእል፡፡ ዕድመካ ትሕቲ 18 እንተድኣ ኮይኑ ናብ ትምህርቲ ኬድካ ክትመሃር መሰል ኣለካ፡፡ ሕጋዊ ወረቐት ዘይሓዘ ግን ናብ ቤት ትምህርቲ ከይዱ ክመሃር ኣይክእልን እዩ፡፡ ዕድመካ ትሕቲ 18 ዓመት ምስ ዝከውን ግን ቤት ትምህርቲ ንክትምዝገብ ኣይኣብየካን፡፡ ቤት ትምህርቲ ንዓካ ክተምህር ድጎማ ናይ መንግስቲ ትረክብ ናትካ መድሕን ድማ ኣብ ትሕቲ እታ ቤት ትምህርቲ ይከውን፡፡ ናይ ቤት ትምህርቲ ክፍሊት ክትረክብ እንተድኣ ዘይኪኢልካ ነታ ቤት ትምህርቲ ወይ ውን ካልእ ዝምልከቶ ኣካል ክትዘራረብ ትክእል፡፡ ኣብ ቤልጀም ንፁር ዝኮነ መሰል ወይ ግዴታ ናይ ብዘይ ወረቐት ኣብ ኮለጃትን ዩኒቨርስታትን ዝመሃሩ ሰባት የለን፡፡ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኬድካ ንክትመሃር ክትሓትት ትክእል ኢካ፣ ዝተፈላለየ ዩኒቨርስትታት ነናተን መስርሕ ስለዘለወን፡፡

ግዜያዊ መንበሪ ፈቃድ ዝረከቡ ሰባት ናይ ስራሕ ፈቃድ እንተድኣ ሓቲቶም ክሰርሑ ይክእሉ እዮም፡፡ ዝተወሃቦም ፈቃድ መንበሪ ክሳብ ሕጋዊ ዝኮነ ዝተዋህቦም ፈቃድ ስራሕ ውን ሕጋዊ እዩ፡፡ ምስዚ ፈቃድ ስራሕ ግን ኣብ ገለገለ ስራሕ ምስራሕ ጥራይ እዩ ዝፍቀድ፡፡ ሰራሕተኛ ናይ ስራሕ ፈቃድ ክሓትት ኣለዎ፡፡ ፈቃድ ስራሕ እንተድኣ ተነፂግካ ይግባይ ክትብል ትክእል ኢካ፡፡

ከም ሕጋዊ ናይ ዑቅባ ሕቶይ እንተተቀቢሎምኒ ከ?

ተቀባልነት ዝረከበ ስደተኛ ናይ ስራሕ ፈቃድ ምሕታት ኣየድልዮን እዩ፡፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ዓይነት ኩነት ከም ካልኦት ዜጋታት ቤልጀም ሰሪሑ ክኣቱ ይክእል እዩ፡፡

ናይ ዑቅባ ተቀባልነት እንተድኣ ዘይተዋሂቡኒ ከ እንታይ የጋጥመኒ? ይጥረዝ?

ናብቲ መፃንሒ ማእከል ተመሊስካ ክሳብ ናብ ካልእ ሃገር ትሰጋገር ወይ ውን ትጥረዝ ክትፀንሕ ትሕተት፣ ክሳብ 30 ዝከውን መዓልትታት፡፡

እንተድኣ ተታሒዘ ከ?

ሃዲእካ ክትፅበ፣ ዘለካ መሰላት ናይ ቤት ማእሰርቲ ክትሕበር ከምኡ ውን ዝተትሓዝካሉ ምክንያት/ወንጀል ንክትንገር ምሉእ መሰል ኣለካ፡፡ ተወሳኪ ውን ናብ ቋንቋካ ክትርጉመልካ ዝክእል ሰብ ኣለካ፣ ዝኮነ ሕጋዊ ሓገዝ/ረድኤት ክትሓትት ትክእል ኢካ፡፡

መስርሕ ምፅራይን ዘሎ መሰላትን

ናብ ቤልጀም እንዳኣተካ ፖሊስ ኣብ ዶብ እታ ሃገር እንተድኣ ሒዞምካ ጉዳይካ ከደናጉይዎ ይክእሉ እዮም፤ ክሳብ 8 ወርሒ ሓደ ሓደ እዋናት ክትድንጉይ ትክእል፡፡ ከምኡ ውን ኣብ ካልእ ሃገር ዑቅባ ኣቀዲምካ ሓቲትካ እንተነይርካን፣ ጉዳይ መስርሕ ዑቅባ፣ ኣብ ቤልጀም፣ በቲ ዝግብኦ እንተዘይኣካይድካን ክትደናጎ ትክእል ኢካ፡፡ እዚ መፃንሒ ዕፅው ዝኮነ ማእከላት/ገዛውቲ ብናይ ወዳእተኛታት ቤት ፅሕፈት እዩ ዝካየድ/ዝመሓደር፡፡

ብዘይ ሕጋዊ ወረቐት ክትነብር ማዕረ ክንደይ ቀሊል ይመስል?

ኣብ ቤልጀም ብዘይ ዝኮነ ሕጋዊ ወረቐት ክትነብርን ክትሰርሕን ትክእል ኢካ፤

ሓገዛት መን ክሕግዘኒ ይክእል?

ንጥዕናዊ ሓገዛት፡ ቴሌ: +3222741433

ፋክስ : +3222741448

ኢማይል: secr@medimmigrant.bemedimmigrant.be

ቤልጅየም

እንታይ ቋንቋታት ኣብ ቤልጀም ይዝረብ?

ፈረንሳኛ፣ ጀርመን፣ ዳች፣ ሰለስቲኦም ከም ወግዓዊ ቋንቋ ኮይኖም የገልግሉ፡፡

ክንደይ ዝከውን ርሕቀት ካብ ከተማ ካሌያ ኣሎ?

ዶብ ቤልጀም 60 ኪ.ሜ ንሸነክ ምብራቕ ካብ ካልያ ርሒቁ ይርከብ፡፡ ቀዲላ ከተማ ቡርጉስ 110 ኪ.ሜ ከምኡ ውን ዋና ከተማ ብራስልስ 200 ኪ.ሜ ርሒቃ ትርከብ፡፡

መስርሕ ሕቶ ዑቅባ ብከመይ ይሰርሕ?

ዝኮነ ደላይ/ኣመልካቲ ስደተኛ ኣብ ውሽጢ 8 መዓልታት ካብ ዝኣተወሉ መዓልቲ ኣብ ትሕቲ ቢሮ ናይ ወዳእተኛታት ይፀንሕ ወይ ውን ኣብ ትሕቲ ፌደራል ፖሊስ ይፀንሕ፡፡ ኣብ ትሕቲ ቤት ፅሕፈት/ቢሮ ናይ ሓላፊ ጉዳይ ስደተኛታትን ሃገር ኣልቦ ዝኮኑን ኮይንካ ጉዳይ ናይ ዑቅባ ሕቶካ ትምርመር ካብዚ ከም ሕጋዊ ስደተኛን ሓገዝን ክወሃበካ ወይ ውን ክነፅጉካ ውሳነ ይወሃበካ፡፡ ቃለ መሕትት ወይ ውን ኣብ ወረቀት ብዝሰፈረ ሕቶታት ትሕተት፣ ናብ ናትካ ቋንቋ ብትርጉም፣ ናይ ሕጊ በዓል ሞያ ትኣምኖ ሰብ ዝኮነ ምሳካ ኮይኑ ክሕግዘካ ይክእል እዩ፡፡ ሕጋዊ ዝኮነ ደገፉ ውን ክትረክስ ትክእል፡፡

ክሳብ ክንደይ ግዜ ይወስድ?

እንተውሓደ ክሳብ ሽዱሽተ ወርሒ ዝከውን ነቲ ከም ፈለማ መስርሕ ይወስድ፡፡

ንዝወሃበኒ ውሳነ እንዳተፀበኩ ከመይ ክነብር ይክእል? ዝወሃበኒ ሓገዝከ ይህሉ ዶ ይከውን?

ኣብ ግዜ መስርሕ ዘሎ ግዜ ክተዕርፈሉ ትክእል መቀበል ሰፈር ካብ 75 ክሳ 800 ዓራት ዘለዎ ቦታ ትከይድ፡፡ ከምኡ ውን ምግቢ፣ ክዳውንቲ፣ ናይ መዓልታዊ ወፃኢታት ዝከውን ገንዘብ፣ ሕክምናዊ ኣገልግሎት፣ ማሕበራውን ሳይኮለጅካውን ደገፍ፣ ሕጋዊ ወኪል ትምህርትን ስልጠናታትን ይወሃበካ፡፡ ብተወሳኪ ንጥዕናዊ መርመራን ሓበሬታት ክትረክብ መሰል ከም ዘለካ ዝገልፅ ወረቐት ይዕድለካ፤ ኣርባዕተ ወርሒ ምስ መላእካ ገዛ ይወሃበካ፤ ሓፈሻዊ ጥዕናዊ ክንክን ካብ ህፁፅ ሕክምናዊ ደገፍ ዝህብ ኣካል ትረክብ ኣድራሽኡ ፍሉጥ ዝኮነ ገዛ ትረክብ፣ ናብ ዶክተር/ሓኪም ከይድካ ትሕብመሉ ወረቐት ትወስድ ከምኡ ውን NGOs (ዘይመንግስታውያን ትካላት) ካልእ ኣማራፂታት ናይ ሕክምናዊ ክንክን ይህበካ፡፡

ምሕፅንታ/ይግባይ፣ ውዕል ደብሊን ከምኡ ውን ምሕፅንታ/ይግባይ ናይ ዴኒማርክ መሰል ደቂ ሰባት ይግህድ ኣሎ እንዳተባህለ እዩ ዝነቅፍ፡፡ ጉዳይ ይግባ ናይ ሓዳር መስርሕ 10 ናይ ነዊሕ መስርሕ ድማ 30 መዓልትታት ኣብ ዘሎ ግዜ ናብ ቆንስል ናይ ወዳእተኛታት ቤት ፍርዲ ትመልእ/ተመልክት፡፡ ካልኣይ ይግባይ ውን ናብ ቆንስል እታ ሃገር ክተመልክት ይከኣል፡፡

ትሕቲ ዕድመ እንተድኣ ኮይነ ከ?

ትሕቲ 18ዝዕድሚኦምን ከምኡ ውን ስድራቤቶም ኣይምርመሩን እዮም ጉዳዮም ኣይደናጎዩን እዮም፤ ቀልጢፉ ይሰልጦም፤ ቆልዑ ክሳብ 18 ዕድሚኦም ብግዲ ናብ ትምህርቲ ክከዱ ኣለዎም፤ ዋላ ውን ዘይጋውያን ነበርቲ ይኩኑ ናይ መርመራ/ፈተና ወረቐት ይወሃቦም፡፡ ኣበይ ስድራ ዘይብሉ ቆልዓ ቱቶር (ናይ ገዛ መምህር) ብመንግስቲ ይግበረሎም፡፡

ስድራ ቤተይ ከ?

መስርሕ ምጥርናፍ ስድራቤት ነዊሕ እዋን ክወስድ ይክእል እዩ፡፡ ስድራ ቤት ክበሃል ከሎ ሰብኣይን ሰበይትን ወይ ኣቀዲሙ ዝመዝገብካዮ መደምድቲ ትሕቲ 18 ዝዕድሚኦም ቆልዑ፣ ዓቅሚ ኣዳም ዝበፅሑ ስንክልና ዘለዎም ደቂ ወይ ውን ኣባይ ዘይብሉ ቆልዓ፣ ወለድካ፡፡ ኣብ ሓደ እዋን ካብ ሓደ ንላዕሊ በዓል ቤት/መዳምድቲ ኣይፍቅን እዩ፣ ካብ ብዙሓት ኣንስቲ/ሰብኡት ዝተወለደ ደቂ ሓደ ሰብ ግን ሕጋውያን ኣባላት ናይ ሓንቲ ስድራ እዮም፡፡

ፍሉችሊንግስራት በርሊን

Tel: 004903024344-5762

Fax: 004903024344-5763

ንትሕቲ ዕድመ/ትሕቲ 18 ዝዕድሚኦም ዝሕግዝ ድማ

Tel: 0049089/20244013

Fax: 0049089/20244015

ናይ ስራሕ ሰዓታት ሰኑይን-ሰሉስን

ካብ ሰዓት 10-12/1-4

ክሰርሕን ክመሃርን ይክእል ዶ?

ሰለስተ ኣዋርሕ ድሕሪ መስርሕ ዑቅባ ንስራ ንክፍቀደልካ ከተመልክት ትክእል ኢካ፡፡ መብዛሕትኦም ናይ ስራሕ ፈቃድ ዝረክብ ኣብቲ ናይ ጉልበት ሰራሕተኛታት ዝድለየሉ ቦታታት ጀርመን እዩ፡፡

እንታይ ዓይነት መንገድታት ክወስድ ኣለኒ?

ፍቃድ ስራሕ መታን ክትረክብ ናብ ፌደራላዊ ሚኒስትሪ ዕዮ ክተመልክት ኣለካ፡፡

ከም ሓታቲ ዑቅባ ተቀባልነት እንተረኪበ ከ?

ኣብ ጀርመን እንዳሃለካ፣ ናይ ስራሕ ምርካብ ዕድልካ ከራጉደልካ ዝክእል ናፃ ዝኮነ ትምህርቲ ቋንቋ ጀርመን ክትረክብ ትክእል፡፡ ክሳብ ባዕልካ ነብስካ ኣማሓዲርካ/መሪሕካ ትክእል ዝወሃበካ ቁጠባዊ ሓገዝ ኣሎ፡፡ ናብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮፓ ክትጉዓዝ ትክእል ትከውን ካብ ጀርመን ወዲእካ ግን ክትነብር ኣይትክእልን፡፡

ናይ ዑቅባ ተቀባልነት እንተዘይረኪበ ከ እንታይ የጋጥመኒ/ይጥረዝ ዶ?

ተቀባልነት ኣይረከብካን ተነፂግካ ግን ኣይትጉዓዝን ፓስፖርት ስለዘይብልካ፣ ከምኡ ውን ኣብ ሃገርካ ዘሎ ኩነታት ናብ ዓድካ ክትጥረዝ ኣይክእልን ይከውን፡፡ ንሒደት ሰሙናት ዝፀንሕ ሓዳር ስምምዕ ይህልወካ ግን ናብ ሓያሎ ዓመታት ክናዋሕ ይክእል እዩ፡፡ ከም ሕጊ ክትሰርሕ ትክእል ኢካ ኣብ ተግባር ግን እተን ቀዳሞት ኣርባዕተ ዓመታት ኣዝዩ ከቢድ/ኣፀጋሚ እዩ፡፡ ናይ ስራሕ ስልጠናታት ውን ክትረክብ ትክእል ኢካ፡፡

እንተድኣ ተነፂግካ እቲ ፌደራላዊ ቤት ፅሕፈት እዩ ብፅሑፍ መልሲ ዝህበካ፡፡ ይግባይ ክትብል ትክእል ኢካ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወይ ውን ክልተ ሰሙን ብፅሑፍ መልክዕ ገይርካ፡፡ ሕጋዊ ዝኮነ ሓገዝ ክወሃበካ ተመልክት ትክእል ኢካ ግን ተቀባልነት ዝህልዎ ኣይመስልን፡፡ ቅድሚ ምጥራዝካ ን18 ኣዋርሕ ኣብ ዕፁው ዝኮነ ገዛ/ሰፈር ትፀንሕ፡፡

እንተድኣ ተታሒዘ ከ?

ድሕሪ ምትሓዝካ ዝንገረካ መሰላት ከም እሱር ኣሎ፡፡ እዚ መሰላት ኣብ ፅሑፍ ተዘርዚሩ እዩ ዝመፃካ ክትርእዮ መታን፡፡ ቋንቋ ጀርመን ዘይትመልክ እንተድኣ ኮይንካ ኣስተርጓሚ ኣሎ ብዛዕባ ዝርዝራት መሰላትካ ዝሕብረካ፡፡ ድሕር ዚ ዘለካ መሰላት ከም ዝተሓበር መረጋገፂ ንክትፍርም ሕቶ ይቀርበልካ፡፡ ነፃ ምንም ዘይትከፍሎ ኣስተርጓሚ ቋንቋ ኣለካ፡፡

ብዘይ ፈቃድ ነባርነት ከመይ ኣቢለ ክነብር ይክእል?

ኣብ ጀርመን ብግምት ካብ ፍርቂ ሚልዮን (500,000) ክሳብ ሓደን ፈረቃን (1,500,000) ሚልዮን ወረቐት ዘይብሎም ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣለው፡፡ ገሊኦም ንስራሕ ኢሎም ብምስጢር ዝኣተው ክኮኑ ከለው ገሊኦም ድማ ሓንሳብ ሕጋዊ መንበሪ ድሕሪ ምርካቦም ብዝተፈላለየ ምክንያታት ይሕደጉ ወይ ውን ድሒሮም ይንፀጉ፡፡ ገሊኦም ድማ ሕቶ ዑቅባ ምስ ተከልከሉ ተሓቢኦም ይነብሩ፡፡ ናይቶም ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኩነታት መነባብርኦም ኣዝዩ ድኩም እዩ፡፡ ዝኮነ ማሕበራዊ መሰላት ከም ሕክምና ብኣምሰለ ሓገዝ ክሓቱ ኣይክእሉን እዮም፡፡ ከም ዘይሕጋውያን ሰራሕተኛታት መጠን ድማ በቶም ኣስራሕቶም ምስ ተመዝመዙ እዮም፡፡

ሓገዛት መን ክህብ ይክእል?

ንዘይሕጋውያን ስደተኛታት ጥዕናዊ ሓገዝ ዝህቡ ብዙሓት ቤት ፅሕፈታት ኣብ ብዙሓት ናይ ጀርመን ከተማታት ኣለዋ፣ ብብዙሕ ቋንቋታት እንዳገበራ ክረዳድኣ ይክእላ፡፡ ናይ ገለ ካብዚኣተን ዝርከባሉ ቦታን/ኣድራሻን

ናፃ ዝኮነ መሰል ናይ ደቂ ሰባት ውድብ Pro Asyl

ቴሌ፥ 0049069 23 06 88

ፋክስ፥ 0049069 23 06 50

ብዙሓት ናይ ተፈናቀልቲ ስደተኛታት ቢሮታት ኣብ መብዛሕትኣን ከተማታት ጀርመን ኣሎ፤ እዚ ከኣ ጠቃሚ ዝኮነ ሓበሬታን ደገፍን ክህብ ይኽእል እዩ፡፡

ሽወደን

ወግዓዊ ቋንቋ ስዊዲሽ ክከውን እንከሎ ኢንግሊሽ ድማ ብሰፊሑ ይዝረበሉ፡፡

ሽወደን ካብ ከተማ ካልያ ክንደይ ዝከውን ራሕቂ ኣለዎ?

ሽወደን ካብ ካሌስ ንሽነክ ሰሜናዊ ምብራቅ 1200 ኪ.ሜ ብድሩቅ መሬት ርሒቃ ትርከብ፡፡ ዶብ ሰጊርካ ምስ ኣተካ ፈለማ እትርከብ ዓባይ ከተማ ማልሞ ትበሃል፣ 8 ስቶኮልም (ዋና ከተማ) ድማ 1800 ኪ.ሜ ርሒቃ ትርከብ፡፡ ባቡር ካብ ካሌስ (ፈረንሳ) ናብ ሽወደን ብመንገዲ ቤልጀም፣ ጀርመን፣ ዴኒማርክ ኣቢላ ትሓልፍ፡፡

መስርሕ ሕቶ ዑቅባ ብከመይ ይሰርሕ?

ኣብ ዶብ ሽወደን ምስ በፃሕካ፣ ወላ ውን ብነፋሪት፣ ዑቅባ ክትሓትት ከም ዝደለካ ክትሕብር ክትክእል ኣለካ፡፡ ብድሕር እዚ ናብ ሓደ ስደተኛታት መመልከቻ/ጉዳይ ዝረኣዮ ማእከል ትውሰድ፡፡

ውሳነ ንክወሃበካ ክሳብ ክንደይ ዝከውን ግዜ ይወስድ?

ገምጋም ንውሓት ናይ መስርሕ ሕቶ ዑቅባ ክሳብ 147 መዓልትታት ይውሰድ፡፡ ጉዳይካ/ፀገምካ ድኩም ሙኻኑ እንድሕር ተሓሲቡ ከኣ ዝወሃበካ ውሳነ ኣብ ሓዳር ግዜ እዩ፡፡

ውሳነ እንዳተፀበኩ ከመይ ኢለ ክነብር ይክእል? ዝወሃበኒ ሓገዝከ ይረክብ ዶ?

ዝወሃበካ ገዛ ኣብ ከባቢ እቲ ማእከል ኣሎ፣ ሓተትቲ ዑቅባ ኣብቲ ማእከል ዝኮነ ቦታ እዮም፤ ክነብሩ ዝመርፁ፣ ግን ቤት ፅሕፈት ናይ ስደተኛታት ናብቲ ዝተዳለወሎም ከተማ ክወስዶም እዩ ዝሕተቱ፡፡

ገንዘብ እንተድኣ ሃልዩካ ነቲ ዝወሃበካ መዕረፊ ገንዘብ ትከፍል፣ ገንዘብ እንተድኣ ዘይብልካ ግን ነፃ ትጥቀም፡፡ ሓደ ውልቀ ሰብ ምስ ካልእ ሰብ ናይ ሓባር ገዛ ይወሃብ፣ ሓንቲ ስድራ ግን ናይ ባዕላ ክፍሊ ክትሕዝ ትክእል እንተ እቲ ካንሸሎ (ደንበ) ግን ምስ ካልኦት እዮም ዝወሃብዎ፡፡ ናይ ዑቅባ ሕቶካ መስርሑ ምስ ጀመረ ካብቲ ተዋሂብካዮ ዝነበርካ ቦታ ክትውድእ ተክእሎ ኣሎ፡፡

ኣብ ናይ ዑቅባ መስርሕ ዘሎ ግዜ ዝወሃበካ ወርሓዊ መሃያ ኣሎ፣ እዚ ድማ ንምግብካ፣ ናይ ሕክምና ወዳኢታት ከምኡ ውን ካልኦት ነገራት ንክትገዝኣሉን ንክትጥቀመሉን ይሕግዘካ፡፡ ሓተትቲ ዑቅባ መዓልታዊ እንተድኣ መሃይኦም ይወሃብ ኮይኖም ናይ ባንኪ ኣካውንት/ወረቀት ገንዘቦም መታን ከቀምጥሉ ይወሃቦም እዩ፡፡ ከምኡ ውን ተወሳኪ ገንዘባዊ ሓገዝ ንመናበሪኦም ዝከውንን ከምኡ ውን ናይ ሓጋይ/ቁሪ ክዳውንቲን ካልእ ነገራትን መግዝኢ ገንዘብ ክወሃቦም/ክውስኮም ክሓቱ ይክእሉ፡፡ እቲ ዝወሃቦም መሃያ ብተዛማዲ ዳርጋ ትሑት እዩ 252/ዩሮ ወርሓዊ ንሓደ ሰብ ይወሃብ፡፡ ንዝወሃበካ ናይ ዑቅባ ውሳነ እንዳተደበካ ስራሕ ክትሰርሕ ውን ትክእል ኢካ፡፡

ክመሃርን ክሰርሕን ይክእል ዶ?

ንዝወሃበካ ውሳነ እንዳተደበካ እንከለካ ክትሰርሕ ወይ ው ክትመሃር ዘክእል ፈቃድ ክትወሃብ ትክእል ኢካ፡፡ ኣወንታዊ ዝኮነ ፈቃድ ናይ መንበሪ ብግዝያዊ ይኩን ብቀዋምነት እንድሕር ተዋሂብካ፣ ኣብ ሽወድን ልክዕ ብምቶም ካልኦት ዜጋታት ክትመሃርን ክትሰርሕን ትክእል ኢካ፡፡ ከም ሓታቲ ዑቅባ ሕጋዊ ተቀባልነት ረኪብካ፣ ትምህርቲ ኣብ ሽወደን ካብ ዝኮነ ክፍሊት ነፃ እዩ፡፡

እንተድኣ ተታሒዘ ከ እንታይ የጋጥመኒ?

ኣባላት ፖሊስ ብናትካ መንነት እንተድኣ ተጠራጢሮም ናብ መንደር ፖሊስ ክወስዱካ ይክእሉ መንነትካ መታን ክፈልጡ፡፡ ቅድሚ ፍርዲ ምውሃቦም ን72 ሰዓታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ትፀንሕ፡፡ በዓል ሞያ ሕጊ (ጠበቃ) ዝኮነት ሰብ ውን ይወሃበካ እዩ ኣብ ክንዳካ ኮይኑ ጉዳይካ እንዳሰምዐ ንክማጎተልካ፡፡

ካብ መን ሓገዝ ክረክብ ይክእል?

ነፃ ዝኮነ ሕጋዊ ምክሪ ዝህብ፣ ትራምቦሊን ዝበሃል ገዛ

ቴሌ: +4532200225

ኢሜይል : inf@trampolinehoused.dk

ዱሕረ ገዕ : trampoline house.dk

መሰል ንሓተትቲ ዑቅባ ዝበሃል ጉጅለ

ኢሜይል: info@asylret.dk

ዱሕረ ገዕ: http://www.asylret.dk

ናይ ደሓን ምፁ ፕሮግራም ንስደተኛታት (refuge welcome)

ቴሌ: +4550558011

ኢሜይል: kontakt@refugeeswelcome.dk

ዱሕረ ገዕ: http://www.refugeeswelcome.dk

ራስክ ዝበሃል ጉጅለ

ቴሌ: 28255320

ኢሜይል: contact@rusklaw.org

ግብረ ስዶም ዴንማርክ

ኢሜይል: lgbt@lgbt.dk

ቴሌ: 33131948

LCBTwww.lgbtasylum.dk 4571523397

ኢሜይል: lgbtasylumdk@gmail.com

ሕጋዊ ዝኮነ ምክሪ ንፖለቲከኛታት ይህብ

ዴኒማርክ ናይ ስደተኛታት ቆንስል-ዘይመንግስታዊ ትካል

ቴሌ: 33735000

ፋክስ: 33914507

ኢሜይል: drc@drc.dk

ድህረ ገዕ: ww.flygtring.dk

ጥዕናዊ ሓገዝን ምክርን ዝህብ ጉጅለ

ንዘይምዝጉባት ስደተኛታት ዝወሃብ ጥዕናዊ ሓገዛት ኣብ ኮፐንሃገን ኣሎ ብናይ ዴኒማርክ ቀይሕ መስቀል፣ ቆንስል ስደተኛታትን ዴኒማርክ ማበር ጥዕናን ይካየድ፡፡

ትራምፖላይን ሃውስ Trampoline house እውን ጥዕናዊ ምክሪ መብዛሕትኡ ግዜ ረቡዕ ረቡዕ ካብ ሰዓት 4-6ምሸት ይህብ፡፡

ንትሕቲ 18 ዝዕድሚኦም- ዴኒማርክ ድሕነት ቆልዑ ዝበሃል ጉጅለ ኣሎ

ቴሌፎን: +45 35 36 55 55

ፋክስ: +45 35 39 11 19

ኢሜይል: sk@redbarnet.dk

ድሕረ ገፅ : http://www.redbarnet.dk

እኩል/ልዕሊዕድመ እዩ/ያ እንተተባሂልካ ጥራይ ዑቅባ ተመልክት፡፡ ብተወሳኪ ውን ኣብ መበቆል ሃገርካ ስድራ እንተድኣ ዘይብልካ ወይ ውን ህዝባዊ ተገዳስነት/ኣክብሮት እንተድኣ ዘይሃልዩካ መንበሪ ፈቃድ ትረክብ፡፡ መስኪ ድማ ዝኮነ ሓበሬታ ናይ ጥዕናዊ ፀገም፣ ፍሉይ ዝኮነ ክንክንን ሓገዝን ዘድልየካ ተኮይኑ ከምኡ ውን ህሉው ኩነታት ናይ ሃገርካ ኣብ ግምት ይኣቱ፡፡ ንዝወሃብ መንበሪ ፈቃድ መታን ብቁዕ ክትከውን ኣብ ትውልዲ ሃገርካ ዝኮነ ዝከናከን/ሓጋዚ ትካል ብርግፅ ክነብረካ የብሉን፡፡

ናይ ዑቅባ ተቀባልነት እንተድኣ ረኪበ ከ?

ግዝያዊ መብዛሕትኡ ግዜ ንሓሙሽተ ዓመት ዝፀንሕ ፈቃድ ትረክብ፡፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ወይ ይናዋሕ ወይ ናብ ቀዋሚ ይሰጋገር እንተድኣ ኣድለይቲ ዝኮኑ ቅጥዕታት መሊእካ/ፈፂምካ፡፡ ኣብተን ናይ ፈለማ ሰለስተ ዓመታት ግድን ናብ ናይ ምውህሃድ/ምትሕውዋስ መደባት ተበሂሉ ናብቲ ከባቢታት ክትከይድ ኢካ፣ ምስቶም ደቂ ሃገር መታን ክትወሃሃድ፡፡ ኣብዚ ድማ ገዛን ካልእ ረብሓታትን ትረክብ ከምኡ ውን ቋንቋ ናይቲ ከባቢ፡፡ መደባት ና ትምህርትን ስልጠናታት ናይ ስራሕን ውን ይካየድ እዩ፡፡

ብሓፈሻ ስደተኛ ማዕረ ዝኮነ ቁጠባውን ጥዕናውን መሰላት ከምቶም ደቂ ሃገር ኣለዎ፡፡ እንተድኣ ሕጋዊ መንበሪ ፈቃድ ረኪብካ ስፍሕ ዝበለ ናይ ቋንቋ ኮርሳት ውን ትረክብ፡፡

ስድራ ቤተይ ከ ናብዚ ከምፅኦም ዶ ይክእል?

ምርዑው እንተድኣ ኮይንካ፣ ወይ ምዝግብቲ ዝኮነት መዳምፅቲ ኣብ ዴንማርክ ምስ ካልእ ሰብ ትነብር እንተድኣ ሃልያ ንስድራቤታዊ ጥርናፈ ክተመልክት ትክእል ኢካ፡፡ ከምኡ ውን ምስ ትሕቲ 15 ዓመት ዝኮነ ወላ ድካ ሓንሳብ ውን ልዕሊ 15 ዓመት ዝዕድሚኡ ውላድካ ንምንባር ጥርናፈ ክትገብር ትክእል ኢካ፡፡ ኣብ ዴንማርክ ብዘይ ሕጋዊ ትምርያ እንተድኣ ደሊካ ክትጥንቀቅ እዩ ዘለካ ምክንያቱ እቶም ሓለፍቲ ዝርዝር ናይቶም ዝተመርዓው ሰባት ናብ ፖሊስ ስለዝበፅሑ፡፡ ስድራቤታዊ ጥርናፈ ክተመልክት እንተድኣ ደሊካ ፋርም እትመልእን ከምኡ ውን ኣድላይ ዝኮነ ሓበሬታን ክተቅርብ ኣለካ፡፡ እዚ መመልከት እዚ ናብ ኤሚግሬሽን ኣገልግሎት፣ ናብ ኣካባብያዊ ፖሊስ ከምኡ ውን ናይ ዴኒማርክ ኤምባሲ ኣብ ትውልዲ ሃገርካ ክበፅሕ ኣለዎ፡፡

ዑቅባ እንተድኣ ዘይተዋሂበ እንታይ የጋጥመኒ? ምጥራዝ?

ዝኮነ ዝተነፀረ ኣመልካቲ ብቀጥታ ናብቲ ስደተኛታት ይግባይ ዝልሉ ቦርድ (ቢሮ) ይለኣክ፡፡ ክሳብ ሕቶ ይግባይ ዝምለሰልካ ድማ ኣብ ዴኒማርክ ንክትፀንሕ ምሉእ መሰል ኣለካ፡፡ ተወሳኪ ምሕፅንታ ወይ ውን ይግባይ ምባል የለን ሓንሳብ እንተድኣ ተነፂግካ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልትተት ንዴኒማርክ ገዲፍካ ክትውድእ ኢካ ትሕተት፡፡ ፓስፖርት ወይ ውን ናይ ጉዕዞ መዝገባት (ወረቃቅቲ) እንተድኣ ዘይሰሊጡካ ድሕሪ 18 ኣዋርሕ ናይ ግዝያዊ ዑቅባ ይፍቀደልካ እዚ ግን ሳሕቲ እዩ፡፡ ብድሌትካ ነታ ሃገር ከም ትገድፋ ውን ክትፍርም ትሕተት ብድሕር እዚ ፖሊስ ንዓካ ናይ ምጥራዝ ስራሕ ደው የብል፡፡ ዴኒማርክ ንዓካ (ዝተነፀግካ ካብ ዑቅባ ምሃብ) ቅድሚ ምጥራዝ ካብ ትውልዲ ሃገርካ ንዓካ መታን ክትቅበል ተቀባልነት ክትረክብ ኣለዋ፡፡

ኣብ ዴንማርክ ብጀካ እቲ መዕቀቢ መዓስከር ሳንድሆልምለጅረን ዝበሃል ካልእ ኢለቢክ ዝበሃል ናይ ስደተኛታት መፃረይ ማእከል ኣሎ፡፡ እንተበዝሓ ክሳብ 18 ኣዋርሕ ዝከውን ግዜ ሰብ ኣብዚ ኢለቢክ ዝበሃል መፃረይ ማእከል ሰብ ክፀንሕ ይክእል፡፡ ኣብ መብዛሕትኡ ጉዳያት ግን ንሓዳር ግዜ እዩ ዝኮነ ውልቀሰብ ዝፀንሕ፡፡ ካብቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ሰባት ፍልይ ዝበልካ ኢካ፣ ብቤተሰብካ፣ የዕሩክትካ፣ ሰብ ሕጊ፣ ሓካይም ክትብፃሕ ምሉእ መሰል ኣለካ ድሕሪ ፈቃድ ዑቅባ ምርካብካ፡፡ ትሑት ኣታዊ ኣብ ዘለዎ ስራሕ ክትሰርሕ ውን መሰል ኣለካ፡፡

ማዕረ ክንደይ ቀሊል ይመስል ብዘይፈቃድ መንበሪ ክትቅመጥ

ጥዕናዊ ክንክንን ከምኡ ውን ቁጠባዊ ሓገዝ ክትረክብ ኣዝዩ ኣፀጋሚ እዩ፡፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ስራሕ ክትሰርሕ ተክእሎ ኣሎ፡፡ ናይ ዑቅባ ተቀባልነት ዝሰኣኑ ስደተኛታት ብዘይዝኮነ ወረቐት ክገብሩ ይመርፁ ካብ ዝጥረዙ፡፡

ኣውስትሪያ

እንታይ ቛንቛ ይዛረቡ?

ጀርመንኛ ውግዓዊ ቛንቆኦም እንትኾን መብዛሕቶም ናይ ዓበይቲ ከተማታት ነብርቲ እንግሊዝኛ ክርድኡ ይኽእሉ እዮም።

ካብ ክልያ ክንደይ ዝኣክል ይርሕቕ?

ካብ ካልያ ናብ ኣውስትሪያ ዶብ ንኣንፈት ድቡብ ምብራቕ ብመሬት 105 ክሎ ሜትር ይርሕቕ። በዚ ኣንፈት እዚ እታ ናይ ምጀምርያ ዓባይ ከተማ ኢንስብሩክ ትበሃል። ካብ ኢንስብሩክ ናብ ርእሰ ከተማ ቪየና( ዊየን) 1300ኪሎ ሜትር ይርሕቕ። ሃዲድ ምንግዲ ብጀርመን ወይ ብ ሽወደን ኣቢሎም ይሓልፉ።

መስርሕ ሕቶ ዑቅባ ብከመይ ይሰርሕ?

ዑቅባ ንምሕታት ካብቶ ም ሰለስተ ቐደምቲ ናይ ቕበላ ማእክላትእርስታውፍናሃመስተለ (Erstaufnahmestelle (EAST, First Acceptance Centers) ) ናብ ሓዲኦም  ምኻድ ይከኣል።: ብ ኣውሮፕላን ንዝመፁ ስባት ኣብ ኣርፖርት ቪና፥ ትራይስኪርቸን ወይ ትሃልሃም (ላዕሎዋይ ኣወስትሪያ) ይርክብ። ፖሊስ እንተተቐቢሉኩም ኣብቲ ፖሊስ ጣብያ ዑቅባ ንምሕታት ይካኣል እዩ። ዑቅባ ትሓትት ክም ዘለኻ ብግልፂ ኣብራህርህ፥ ኢሽ ሞይሽተ ኣስይል (“Ich moechte Asyl”) ። ድጋጊምካ ሕተት ዘስጋግሩኻ እንተኾይኖም ! ደሓር ድልዮም ስምካ፥ ትዝልዲ ማዓልትኻ፥ ዜግነትካን ቛንቋኻን ክሓቱኻ ክምለሱ እዮም። ዓሸራ ኽወስዱ እዮም። ንምንታይ ካብ ዓድኻ ክምዝለቐቕካን ናብይ ናብይ ከም ዝተጎዓዓዝካን ብኸመይ ናብ ኣውስትሪያ ክም ዝ መዝመፃእካን ክሓቱኻ እዮም። ብድሕሪኡ ናብ ቐደምቲ ናይ ቕበላ ማእክላትእርስታውፍናሃመስተለ (Erstaufnahmestelle (EAST, First Acceptance Centers) ክዝስዱኻ እዮም።

ክሳብ ክንደይ ዝከውን ግዜ ይወስድ?

ናይ ቕበላ ኣግባብ ውእይ ፕሮሰስ ክሳብ ሰሙናት ውን ኣዋርሕ ክወስድ ይኽእል እዩ። ድሕሪ እቲ ዋና መጠይቕ ድሕሪ ዉሱናት ሰሙናት ወይ ኣዋርሕ ውሳነ ክህቡኻ ይኻእሉ እዮም። እንተዘይ ቐቢሎምኻ መዓልቲ ኣረጋጊፅካ እንድገና ይባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ።

ውሳነ ንምፅባይ ኣብይ ክፅንሕ ይኽእል? ፍቓድ ይርክድ ዶ?

ከም ምግቢ፥ማሕበራዊ ኣገልግሎት፥ ሕክምናዊ ረድኤት ዝብሉ ንግራት ናይ ኣውስትሪያ መሰረታዊ ውስና ኣግልግሎት ብሰለስተ መልክዕ የቕርብ እዩ። (ሀ) ምፅለሊ፥ናይ ጥዕና ውሕስና፥ ምግብን ናይ ገንዘብ ሓገዝን (ብወርሒ 40ዩሮ) የጠቓልል። (ለ) መፅለሊ ናይ ባዕሎም ን ዝኻኣሉ(110 ዩሮ ን ክራይ)ናይ ፅግና፥ ኣግልግሎት ጥዕና ውሕስናን ገንዘብ ሓገዝን (ብወርሒ 108 ዩሮ)። ብንክኻ ንምንባር ቕርሺ ንምርካብ ቡዉሕ ግዜ ኣሸጋሪ እዩ። ገበን እንተሃልዩካ ኣግልግሎትን ናይ ገንዘብ ሓገዝን ይቕንስ እዩ። ን መሰረታዊ ውስና ኣግልግሎት ንምምልካት ናብ ቲ ኣግልግሎት ማእኽል ምኻድ፥ካብቲ ዝነበርካሉ ገዛን ቦታን ወፃኢ ናብ ካልእ እንድሕር ክትኽይድ ኣመልኪትካ እቲ ትውያቦ ዝነብረ ሓገዛት ብሙሉኡ ይቛረፅ።

ክመሃርን ክሰርሕን ይክእል ዶ?

ምመሃር: ትሕቲ 15 ዕድመ ቖልዑት ብዘይ ምንም ቅድመ ኹነት ግድን ትምህርቲ ክከታተሉ ኣሎዎም። ግን ኣብ ማዓስክራትን ካምታትን ቖልዑት ይኽልክሉ እዮም። ዳናይዳ Danaida (http://www.danaida.at) ንወፃእተኛታት ደቒ ኣንስትዮ ነፃ ናይ ጀርምንኛ ቛኝቋ፥ ምግቢ ምብሳልን ናይ ኮምፒትር ስልጠና ይህብ እዩ።

ስራሕ: ብሕጊናይ ዕቝባ ሕቶኻ ክይተውእድኣ ኣብ ኣውስትሪያ ክትስርሕ ኣይትኽእልን። ክትስርሕ እንተተረኺድካ ምእሳርን ምጥራዝን ይስዕብ ስለ ዝኾን ምጥንቓቕ! ናይ ዑቑባ ሕቶካ 3ወርሒ ምስ ገበረ ዘስርሓካ እንተረኺብካ እቲ መስሪሒኻ ናይ ስራሕ ፍቓድ (Beschäftigungsbewilligung) ክውፃልካ ይኽእል ወይ ንክትስርሓሉ ብዝተወሰነኩንታት ክመልክት ይኽእል እዩ።

ናይ ዑቅባ ተቀባልነት እንተድኣ ረኪበ ከ?

ብናይ ዑቕባ ግለልተኛ ውሳነ፥ናይ ሓደ ዓመት መንበሪ ቪዛ (subsidirer Schutz) ምርካብ ይካኣል እዩ። ብቢዓመቱ ዝሕደስ ናይ ሓደ ዓመት መንበሪ ቪዛ (subsidirer Schutz) ብምሓዝ ናይ ስራሕን ማሕበራዊ ኣገልሎትን ውሕስናን ናይ ምርካብ መሰል ኣሎካ።

ዑቑባ እንትድኣ ረኺብካን ናብ ናይ ኣውስትሪያ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ናይ ምቕራብ ሙሉእ ምሰል ኣሎካ። ናብት ሃገራዊ ናይ ስራሕ ናይ ሓደ ዓመት መንበሪ ቪዛ (subsidirer Schutz) ማክኸል ብምኻድ ብምምዝጋብ፥ ስራሕ ክደልዩልካ ምግባር ይካኣል እዩ።ባዕልኽ ምድላይ እውን ግርም እዩ። ብዙሓኣት ናይ ኣውስትሪያ ናይ ስራሕ ቦታታት ጀርመን ቛንቛ ክእልት ስለ ዝሓቱን ሓደ ሓደ ስባት ሰደተኛ ክቖፅሩ ስለ ዘይደልዩን ፥ ስራሕ ንምርካብ ኣሸጋሪ እዩ።

ስድራ ቤተይ ከ ናብዚ ከምፅኦም ዶ ይክእል?

ካብ ስድራ ሓደ መንበሪ ቪዛ (subsidirer Schutz) ዑቑባ እንትድኣ ረኺቡ ኩሎም ኣባላት እታ ስድራ ኣብ ኣኤስትሪያግብን እንተሰሪሖም ዑቑባ ይርኽቡ። ሓደ ቤትስብካ ኣብ ኣውስትሪያ ዑቕባ እንተረኺቡ ኣብ ሃገርካ ናብ ዘሎ ናይ ኣውስትሪያ ኢምባሲ ክይድካ ቪዛ ምጥያቕ ይካኣል እዩ።ንሶም ጉዳይ ኣፃርዮም ክህቡኻ እዮም። ናይ 4ወርሒ ቪዛ ተመራፂ ይኽውን። ናይ ትሕቲ ዕድም ቖልዑት ዘለዲ ከም ስድራቤት እዮም ስሕስቡ። ምርዑዋት ወለዲ ኣብ ሃግሮም ተመሪዖም ዝመፁ ክኾኑ ኣለዎም እንተዘይኮይኑ ብካልእ ዓይነት ሕጊ ይዳነዩ።

ዑቅባ እንተድኣ ዘይተዋሂበ እንታይ የጋጥመኒ? ምጥራዝ?

ናብቲ ናይ ጥረዛ እሱርቤት እንተዘይ ውሲዶምኻ/ኺ መሓዛ ወይ ናይ ሕጊ በዓል ሞያ ምፅዋዕ ይክኣል እዮ። ናይ ጥረዛ ቖፀሮ እንድሕር ገይሮምልካ ን ዓርክካ ወይ ን ናይ ሕጊ በዓል ሞያ ቐጥታ ምንጋር ይግባእ። ናይ ጥረዛ ቖፀሮኻ ኣብ ሓፂር ግዜ እንተኾይኑ ፖላዊስ ስልኪ ኣየደውሉኻን። ኣብታ ተጠሪዝካ ትኸደላ ሃገር ትጎዲእካ ትባሪርካ ወይ መስልካ ዘይኽበርሉ እንተነይሩ ክትጥረዝ ኣይግባእን። ይግባይ በል። ጥርረዛታት ክሳብ ሓደ ዓመት ክናውሑ ይኽእሉ። እዚ ግን ንፖሊስ ካብ ምጥራዝ ኣይክላኽልን።

ናይ ጥረዛ እሱርቤት፥ ኣግባብን መሰላትን

ናይ ጥረዛ እሱርቤት ኢንድሕርተፈሪዱካን ክሳብ ሕጂ ኢንተዘይ ትላዒልካን ኣብቲ ጥረዛ እሱርቤት ኣብ ክንዲ ጥረዛ ን10 ካብ ክሳብ 18ኣዋርሕ ክትፀንሕ ትኽእል ኢኻ/ኺ። ሙልእ ኣብ ናይ ጥረዛ እሱር ቤት ዝፅናሕካሉ ግዜን ንካሎት ተውሰኽቲ 6 ኣዋርሕን ቕሬታኻ ክተብፅሕ ትኽእል ኢኻ።

ንቤትሰብን ህፃንናትን ኣብ ናይ ጥረዛ

ንቤተሰብን ህፃንናትን ኣብ ናይ ጥረዛ እሱርቤት (Familienunterkunft) ንብይኑ ካብ ቬና ኣሎ ማእክል ኣሎ። ኣብዚ ናይ ጥረዛ እሱርቤት ሓደ ሰብ ቅድሚ ምጥራዙ ን 48 ስዓታት ጥራይ እዩ ክእሰር ዝኽእል። ናይ ሕቡራት መንግትታት ን ናይ ኣዝስትሪያ ዘሎ ሕፅረት ሕክምናዊ ክንክንንን ሕጋዊ ምኽርን ኣብ ማእክላት ስድተኛታት ነቒፉ። ናይ ኣውስትሪያ ናይ ጥረዛ ፖሊሲታት ካብ ናይ ካልኦት ናይ ኣውሮፓ ሃግራት ግፍሕ ዝበለ እዩ።

እንተድኣ ተታሒዘ ከ እንታይ የጋጥመኒ?

ዝኾን ኣብ ኣብስትሪያ ዝተታዘ ስብ ንምንታይ ክምዝተታዘ ብዝርድኦ ቛንቋ ክንገሮ መሰል ኣለዎ። ብሕቶኹም መሰረት እውን ን መሓዛኹም ወይ ን ናይ ሕጊ በዓል ሞያኹም ከም ምእሳርኩም ክነግሩልኩም ግዴትኦም እዩ። ምእሳርኩምን ናይ ሃገርኩም ኢምባሲ ወይ ቖንስል ቢሮ ሪፖርት ክግበር ኣለዎ።

ብዘይ መንበሪ ፍቓድ ወረቐት ብኸምይ ክነብር ይክእል?

መንበሪ ፍቓድ ወረቐት ዝተኽልኽሉ ስባት ኣብ ብግለሰባት ዝይ ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ኣብ ዝተኻረይዎ መፅለሊ /ማዓስክር/ ንሓፂር ግዜ ይፀንሑ። ሓደ ሓደ ሰብ በዓል ዋና እቲ ክራይ መሬት ወይ ገዛ ቼክ ይገብሩ እዮም። ማሕበራት ግን ን ዘይ ምዝጉባት ስባት ገዛ ይካረዩ እዮም። ወረቐት ዘይብሎም ሰባት ን ማሕብራዊ ናይ ጥዕና ውሕስና ይብሉን። ባዕልኻ እትኽፍሎ ናይ ድንገታዊ ሕማም ኣቕርቦት ግን ክህልወካ ኣሎዎ። ብሓፈስሻ ናይ ጥዕና ኣቕርቦት ኣብ ኣውስትሪያ ድፍልያ ኣብ እሱር ቤታትን ካብ ዓበይቲ ከተማታት ወፃእን።

መን ክሕግዘኒ ይኽእል?

ምስ ስራሕ ዝተታሓሓዘ

ናይ ንግዲ ሕብረት (ኡንዶክ, UNDOK) ዝብሃል ንዘይተነዝገቡ (ወረቐት ዘይብሎም) ሰራሕተኛታት ምኽርን ናይ ቛንቛ ትምህርትን ይህብ። There is trade union advice

ኣድራሻ፥

ÖGB (Catamaran)

Lift D, 1. Stock, Raum 1913

Johann-Böhm-Platz 1 1020 ውየን, ኣውስትርያ

ድሕረገፅ http://www.undok.at

ሕጋዊ ሓገዝ,

ኣድራሻ፥

ጎደና፥Währinger Straße 59/2/1, 1090 Wien,

ቴሌፎን: 01/408 42 10,

ኢሜይልoffice@asyl-in-not.org

ዴሰርቱርስ ኡንድ ፍሉሽህሊንግስበራቱንግ (Deserteurs- und Flüchtlingsberatung)

ን ናይ ዕቑባ ሕቶ ዘይትመለሰሎም ስደታኛታት ንክምለስሎም ይሕግዝ።

ኣድራሻ፥ ጎደና፥ Schottengasse 3a/1/59, 1010 ውየን, ኣውስትርያ

ቴሌፎን: ++ 43/1/533.72.71

ኢሜይል:deserteursberatung@utanet.at

ድሕረገፅ፥ http://www.deserteursberatung.at

ጀርመን

ክላስን ምኽርን ኣግልግሎት.

ክትምልሱ ኤንተደሊኹም ፍሉይ ናይ ምኽሪ ኣግልግሎት ህጋዊ ምኽርታትን ይህብ

ኣድራሻ

Caritas Flüchtlings- und Migrantenberatung Keplerstrasse 82, 8020 Graz, Austria, ቴሌፎን: ++ 43/316/8015-0,ኢሜይል: office@caritas- graz.at, ድሕረገፅ://http://www.caritas-graz.at

ዛብራ(Zebra)

ነፃ ናይ ሕበሬታታት፥ ናይ ጥዕና ኣገልግሎትን ህጋዊ ምኽሪን   ኣግልግሎት ይህብ.

ጎደና፥ Granatengasse 4/III, 8020 Graz,

ቴሌፎን.: +43/ 316/ 83 56 30 – 0

ኢሜይል: office@zebra.or.at

ክራንከንሃውስ ደር ባርምሄርዚገን ብሩደር (Krankenhaus der Barmherzigen Brüder)

Grofle Mohrengasse 9, 1020 Vienna,

ቴሌፎን.: 0043 (0)1 – 21 121-0,

ድሕረ ገፅ://www.barmherzige-brueder.at/

ማይዝ MAIZ

(ሆስፒታል ኣይኮነን ግን ናብይ ክትክዱ ከም ዘለኩም ክንግሩኩም እዮም።)

ኣድራሻ

Hofgasse 11, 4020 Linz,

ቴሌፎን 0043 (0) 732 – 77 60 70,

ድሕረ ገፅ://maiz.at

ግራዝ :

ኣድራሻ

ጎደና፥ Marienambulanz Keplerstrafle 82/1, 8020 Graz,

ቴሌፎን. 0043 (0)316/8015 361

ድሕረ ገፅ http://www.caritas-steiermark.at/hilfe-einrichtungen/fuer-menschen-in- not/gesundheit/marienambulanz/

ሓለዋ ጥዕና፥ ገዛን ክዳውንትን ኣቕርቦት: ብሎክ

Verein Ute A-1020 Wien: Grofle Sperlgasse 4

0043 (0)1 929 24 24 – 24 ,

ድሕረ ገፅ http://www.fraubock.at

ዲያንኮኔ (Diakonie)

ንናይ ስራሕ ሰዓታት ኩሉ ግዜ ሰሉስን ሓሙስን 9 – 16 ሰዓታት (ምዝገባ: 9 – 14 ሳዓት)

ጆሴፍ ፍረስሺነር ጎደና 20/II 2514 ትራይስኪርቸን Traiskirchen (እቲ ምንግዲባቡር ተሳጊርካ)

ቴሌፎን: 0043-(0)2252 / 547 26

Volkshilfe Oberösterreich – Volkshilfe Fl ̧chtlings- & MigrantInnenbetreuung

Stockhofstrafle 40, 4020 Linz,

ቴሌፎን: 0043-(0) 732/603099

ፍሉንክህትፑንክት፥ ናይ ኣብ ሕማቕ ክንታት ዝርክቡ ዘይሕጋዝያን ስደተኛታት ምኽሪ ኣግልግሎት

ቴሌፎን. +43.512.581488

ድሕረ ገፅ http://www.fluchtpunkt.org/ A-6020 INNSBRUCK, Jahnstrasse 17

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s